ፈላማይ ኮንፈረንስ ውፅኢታውነት ኢነርጂ ኣፍሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ክካየድ እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 24/2018(ኢዜኣ) ሕብረት ኣፍሪካ ዘዳለዎ ፈላማይ ኣህጉራዊ ኮንፈረንስ ውፅኢታዊ ኢነርጂ(Energy Efficiency Conference) ካብ 2 ክሳብ 3 ታሕሳስ 2018 ዓ/ም ኣብ ዋና መቐመጢት እቲ ሕብረት ዝኾነት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክሳለጥ እዩ።
እቲ ኮንፈረንስ፤ ኣብ ትሕቲ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2024 ኣብ ኣዘርባጃን ከተማ ባኩ ኣብ ዝተኻየደ መበል 29 ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ውድብ ሕቡራት መንግስትታት (ኮፕ 32) ዕላዊ ዝተገበረ ማዕቐፍ ጥምረት ውፅኢታውነት ኢነርጂ ኣፍሪካ ዝካየድ እዩ።



ማዕቐፍ እቲ ጥምረት ብቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ ምፅዳቑ ዝፍለጥ እዩ።
እቲ ኮንፈረንስ፤ “ኣጀንንዳ ውፅኢታውነት ኢነርጂ ኣፍሪካ ብስትራቴጂካዊ ምሕዝነት ውፅኢታዊ ምግባር” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሓ ሓሳብ እዩ ክካየድ።
እቲ ኣህጉራዊ ኮንፈረስ ብምትሕብባር ፍሉይ ትካል ሕብረት ኣፍሪካ ዝኾነ ኮሚሽን ኢነርጂ ኣፍሪካን መንግሥቲ ኢትዮጵያን ዝተዳለወ እዩ።
ዋና ዳይሬክተር ኮሚሽን ኢነርጂ ኣፍሪካ ራሺድ ዓሊ ኣብደላ እቲ ኮንፈረንስ ኣመልኪቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዝበልዎ፤ ውፅኢታዊ ኢነርጂ ቀንዲ ሃፍቲ ዘላቒ ልምዓት ኣፍሪካ እዩ።



ውፅኢታውነት ኢነርጂ ብኽነት ሓይሊ፣ልቀትን ወፃእን ካርቦን ንምቕናስ ከምኡ እውን ኩለ መዳያዊ ዕቤት ኢኮኖሚ ንምርግጋፅ ከምዘኽእል ገሊፆም።
ኣብቲ ኮንፈረንስ ዝሳተፉ መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ኣፍሪካ ዘላቒ ትራንስፎርሜሽን ኢነርጂ ንምቅልጣፍ ኣብ ዘኽእሉ ውፅኢታዊ ኣማራፅታት ኢንቨስትመንትን ፖሊሲታትን ብምዝታይ ሓባራዊ ኣንፈት ከምዘቕምጡ ኢዜኣ ካብ ሕብረት ኣፍሪካ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመላኽት። 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም