ንብሄራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ትሕቲ 17 ዓመት ሽልማት 10 ሚልዮን ተበርኪቱ

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 23/2018 (ኢዜኣ) ሚኒስቴር ስፖርትን ባህልን ናብ ፅዋዕ ኣፍሪካ ንዝሓለፈ ብሄራዊ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ትሕቲ 17 ዓመት ሽልማት 10 ሚልዮን ብር ኣበርኪቱ።
እቲ ሚኒስቴር ምስ ብሄራዊ ጋንታ ትሕቲ 17 ዓመት ሎሚ ምሸት እንግዶት ድራር ገይሩ።
እቲ ሚኒስቴር ኣብቲ መርሃ ግብሪ፤ ሽልማት 10 ሚልዮን ብር ነቲ ብሄራዊ ጋንታ ዘበርከተ እንትኸውን ሚኒስትር ባህልን ስፖርትን ሸዊት ሻንካ እቲ ሽልማት ኣረኪበን።



እተን ሚኒስትር ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ እቲ ዝተረኸበ ዓወት ውፅኢት ሓባራዊ ስራሕ መንግስትን ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግርን ኢትዮጵያ እዩ።
እቲ ብሄራዊ ጋንታ ኣብ ፅዋዕ ኣፍሪካ ዝህልዎ ተሳትፎ ውፅኢታዊ ንክኸውን እውን ሰናይ ትምኒተን ገሊፀን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም