ምልክታት ማርበርግ ቫይረስ እንታይ እዮም?

ምልክታት ማርበርግ ቫይረስ እንታይ እዮም?

ካብ ኣፍ ፣ካብ ኣፍንጫ ወይ ካዓ ካብ ቆርበት ሱር ደም ምፍሳስ ፤

ልዑል ረስኒ፣ቑሩ ቑሪ ምባልን ሕማም ርእስን፤

ሕማም ጭዋዳን ሕቖን ፤

ዕውልውል ምባል፣ሕማም ቆርበትን ውፅኣትን ፤

ኣብ ኣፍ ልቢ፣ድሕሪትን ከብድን ኣዝዩ ጎሊሁ ዝረአ ሽፍታ፤

እቲ ቫይረስ ብኸመይ ይመሓላለፍ?

እቲ ሕማም ምስ ደም፣ ሽንቲ፣ንብዓትን ካልኦት ፈሰስትን ዝፍጠር ቀጥታ ምንኽኻእ፣

ብዝሓመመ ወይ እውን ብዝሞተ ሰብ ሰውነት ፈሳሲ ዝተበከሉ ናውቲ (ከም ክዳን፣ ኮቦርታ፣ መርፍእን ካልኦት መገልገሊታትን) ብዝግበር ምንኽኻእ

ብኸመይ ምክልኻል ይካኣል ?

ዝተዘርዘሩ ምልክታት እንተጋጥሙ ብህፁፅ ናብ ትካላት ሕክምና ምኻድ፣

ምስ ዝሓመመ ሰብ ምንኽኻእ እንተነይሩናን ትኩሳት እንተሃሊዩን ብቕልጡፍ ናብ ትካላት ጥዕና ምኻድ፣

ሞት ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን እቲ ኣስከሬን ብሰብ ሞያ ምስንዳእን ምቕባርን፤ ዘየድሊ ስነ ስርዓት ቀብሪ ክተርፍ ምግባርን ምንኽኻእ ዘለዎም ናውቲ ምውጋድን፣

ካብ ዝሓመመ ሰብ ምንኽኻእ ደምን ፈሳሲን ምርሓቕ፣

ንዝሓመመ ሰብ ክንክን ኣብ ንገብረሉ እዋን ሜላታት መከላኸሊ ማለት እውን ናይ ኣፍን ኣፍንጫን መሸፈኒ ማስክን ናይ ኢድ ጓንትን ምጥቃም፣

ኢድ ብሳኒታይዘር ወይ እውን ብሳሙናን ማይን ብግቡእ ምሕፃብ ከምዝግባእ ሓበሬታ ሚኒስቴር ጥዕና የመላኽት።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም