ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኢትዮጵያ ብትሕቲ 17 ዓመት ናብ ፅዋዕ ኣፍሪካ ብምሕላፋ መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፎም

ብሄራዊ ጉጅለ ትሕቲ 17 ዓመት ኢትዮጵያ(ቀይ ቀበሮዎቹ) ንኬንያ 3 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ብምስዓር ድሕሪ 22 ዓመታት ናብ ፅዋዕ ኣፍሪካ ብምሕላፎም እንኳዕ ደስ በለና ክብሉ እውን ገሊፆም።
ኣብ ዓውዲ ስፖርት ኣብ ሰገናት በርቲዕና እንተሰሪሕና ኩዕሶ እግርና ኣብ ኣህጉራውን ዓለም ለኻውን መድረኻት ሓፍ ዝብለሉ ግዜ ርሑቕ ከምዘይኸውን እዚ ዓወት መርኣያ ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም።
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፤ እዚ ናይ ሎሚ ውፅኢት ንክርከብ እጃሞም ንዝተዋፅኡ ኣካላት ኣመስጊኖም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም