ብሄራዊ ጋንታ ትሕቲ 17 ዓመት ኢትዮጵያ ናብ ፅዋዕ ኣፍሪካ ሓሊፉ - ኢዜአ ትግርኛ
ብሄራዊ ጋንታ ትሕቲ 17 ዓመት ኢትዮጵያ ናብ ፅዋዕ ኣፍሪካ ሓሊፉ
ኣዲስ ኣበባ/ ሕዳር/23/ 2018 (ኢዜኣ) ብሄራዊ ጋንታ ትሕቲ 17 ዓመት ኢትዮጵያ ንኬኒያ መዘንኡ 3 ን 0 ብምስዓር ድሕሪ 22 ዓመት ናብ ፅዋዕ ኣፍሪካ ምሕላፉ ኣረጋጊፁ።
ኣብ ስታዲየም ኣበበ ቢቂላ ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ መፃረዪ ሲካፋ ፅዋዕ ኣፍሪካ፤ ዳዊት ካሳው፣ቢኒያም ኣብረሃን ብሩክ እይላቸውን ድሕሪ ዕረፍቲ ንሕድሕዶም ብድምር ሰለስተ ሽቶታት ኣቑፂሮም።
ብመሰረት እዚ ብሄራዊ ጋንታ ትሕቲ 17 ዓመት ኢትዮጵያ ካብ ምድቡ ሳልሳይ ኮይኑ ብምዝዛም ድሕሪ 22 ዓመት ናብ ፅዋዕ ኣፍሪካ ምሕላፉ ኣረጋጊፁ።