ኮንፌዴሬሽን ማሕበራት ሰራሕተኛ ኢትዮጵያ ዓቕሚ ሰራሕተኛታት ብምጥንኻር ንብሄራዊ ዕቤት መፍረያይነት እጃሞም ክዋፅኡ ይግባእ - ኢዜአ ትግርኛ
ኮንፌዴሬሽን ማሕበራት ሰራሕተኛ ኢትዮጵያ ዓቕሚ ሰራሕተኛታት ብምጥንኻር ንብሄራዊ ዕቤት መፍረያይነት እጃሞም ክዋፅኡ ይግባእ
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 23/2018(ኢዜኣ) ኮንፌዴሬሽን ማሕበራት ሰራሕተኛ ኢትዮጵያ ዓቕሚ ሰራሕተኛታት ብምጥንኻር ንብሄራዊ ዕቤት መፍረያይነት እጃሞም ክዋፃኡ ከምዝግባእ ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል ምትሕብባር ህንፀት ስርዓት ዲሞክራስን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣደም ፋራህ ገሊፆም።
ኣኼባ ኮንፌዴሬሽን ማሕበራት ሰራሕኛታት ዓለም ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ።
ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል ምትሕብባር ህንፀት ስርዓት ዲሞክራስን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣደም ፋራህ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ዓለም ለኸ ጎንፅታት፣ምዝባዕ ኢኮኖሚ፣ለውጢ ከባብያዊ ኣየርን ምትእጉጓል ቴክኖሎጅን ኣብ ልዕሊ ከባቢ ስራሕ ፅልዋ እናሕደሩ እዮም።
ስለዝኾነ እውን ኣብ ተለዋዋጢ ኩነታት ዓለም ተበፃሕንት ትምህርትን ቴክኖሎጅን ብምስፍሕፋሕን ብሓደሽቲ ዋሕዚ ኢንቨስትመንትን ዕድል ስራሕ ዜጋታት ምዕባይ ከምዝግባእ ፀሪሖም።
ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪ እቲ ሃገራዊ ለውጢ ንህንፀት ትካላት ዝተውሃበ ትኹረት ኩለ መዳያዊ ተረባሕነት ዜጋታት ብምዕባይ ውፅኢት እናመዝገበ ከምዝርከብ ሓቢሮም።
ዕቤት ኢኮኖምን ወፍሪ ስራሕን ኢትዮጵያ መሰል ሰራሕተኛታት ዘረጋግፅ ምችው ምህዳር ስራሕ ንክፍጠር ከምዘኽኣለ እውን ኣረዲኦም።
ማሕበራት ሰራሕተኛ ኣብ ዓወታት ስራሕቲ ሪፎርም መንግስቲ ወሳኒ መሓዛ ኮይኖም ምቕፃሎም ተዛሪቦም።
ርክብ መንግስቲ፣ኮንፌዴሬሽናት ሰራሕተኛን ኣስራሕቲ ማሕበራትን ኣብ ምትእምማን፣ግልፅነትን ሓባራዊ ተሳትፎን ዝተመስረተ ክኸውን ኣለዎ ኢሎም።