ትካላትን ዓውድታትን ኣጠቓቕማ ሰብ ስራሕ ብልሒ(ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ) መለክዒ ውፅኢት ክገብሩ ይግባእ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)  

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 23/2018(ኢዜኣ) ሕድ ሕድ ትካልን ዘፈርን ኣጠቓቕማ ሰብ ስራሕ ብልሒ(ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ) መለክዒ ውፅኢትን ሽቶን ክገብሩ ከምዝግባእ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
“ብምልከታ መንግስቲ መደመር፣ዝላ ዓውድታት”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ  ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ንላዕለዎት ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና መዛዘሚ ስልጠና ኣብ ዝሃብሉ እዋን ካብ ዘልዓልዎም ሓሳባት ዓውዲ ዲጂታል እቲ ሓደ እዩ።
ሰብ ስራሕ ብልሕን ኳንተም ሳይንስን ኣነባብራ፣ስራሕን ኣተሓሳስባን ወዲ ሰብ እናቐየሩ ከምዝርከቡ እውን ሓቢሮም።



ፋይዳ፣ፓስፖርት፣መሶብ፣ሞባይል ባንኪንግ፣ዘበናዊ ሜላ ክፍሊት፣ዲጂታል ኣገልግሎት ጉምሩኽን እቶትን ከምኡ እውን ዝተዋደደ ስርዓት ምምሕዳር ሓበሬታ ፋይናንስ(ኢፍሚስ) ብዓቕሚ ውሽጢ ሃገር እናዓበየን እናጠንከረን ክቕፅል ከምዘለዎ ፀሪሖም።
ክንደይ ዝኣኽሉ ዘፈራት ሰብ ስራሕ ብልሒ ተጠቒሞም? ኢልና ካብ ሕዚ ጀሚርና ምልካዕ እንተዘይጀሚርና ኣብቲ ዘበን ክንበፅሕ ዋላ እንተደለና ኣይንበፅሐሉን ኢሎም።
ንኹሉ ስራሕ ክኖሎጂ ምጥቃም ከምዘድሊ ብምሕባር፤ ዝተማልአ ብልፅግና ንምርግጋፅ ምስ ዝተፈላለዩ ቴክኖሎጂታት ምትእስሳር ከምዝግባእ ኣረዲኦም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ‘ሓደ ሽቶታት’ ብዝብል ኣብ ዘልዓልዎ ሓሳብ ሕድ ሕድ ከተማ ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል ክኸፍቱ ከምዘለዎም እውን ተዛሪቦም።



ኣብ 100 ሚኢታዊ ሽቶታት እውን መለለዪ መንነት ፋይዳ ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ኢትዮጵያ ክባፃሕ ከምዘለዎ ብምግላፅ፤ ነዚ ድማ ኣብ ኩሎም መዋቕራት ምምሕዳር ጠንኪርካ ምስራሕ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።
ኢንሼቲቭ ኮደርስ 5 ሚልዮን ኣዝዩ ወሳኒ ስራሕ እዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ እቲ ኢንሼቲቭ 100 ሚኢታዊ ክዕወት ኣለዎ ኢሎም።
ሕድ ሕድ ትካልን ዘፈርን ሰብ ስራሕ ብልሒ ክንደይ ዝኣክል ተጠቒመ? ብዝብል ሽቶ ከቕምጥ ከምዘለዎ እውን ገሊፆም።
ኣጠቓቕማ ሰብ ስራሕ ብልሒ እንተዘይዓብዩ እቲ ዝሕሰብ ትራንስፎርሜሽንን ምትእስሳርን ምምፃእ ከምዘይከኣል ኣረዲኦም።
ብፈጠራን ቕልጣፈን ፅሬትን በዝሕን ጋህዲ ንምግባር ምትጋህ ቁልፊ ስራሕ መንግሥቲ መደመር እዩ ክብሉ እውን ተዛሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም