እቲ ኮሚሽን እቲ ጉባኤ ምኽክር ዝዝትየሎም ኣጀንዳታት ሓንፂፁ ዕላዊ ምግባርን እቲ ጉባኤ ንምፅዋዕን ምድላዉ እናዛዘመ እዩ-ፕሮፌሰር መስፍን ኣርኣያ - ኢዜአ ትግርኛ
እቲ ኮሚሽን እቲ ጉባኤ ምኽክር ዝዝትየሎም ኣጀንዳታት ሓንፂፁ ዕላዊ ምግባርን እቲ ጉባኤ ንምፅዋዕን ምድላዉ እናዛዘመ እዩ-ፕሮፌሰር መስፍን ኣርኣያ
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 23/2018 (ኢዜኣ) ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ እቲ ጉባኤ ምኽክር ዝዝትየሎም ኣጀንዳታት ሓንፂፁ ዕላዊ ምግባርን እቲ ጉባኤ ንምፅዋዕን ምድላዉ እናዛዘመ ከምዝኾነ ዋና ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ፕሮፌሰር መስፍን ኣርኣያ ገሊፆም።
ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ “ልዑል ተሳትፎ ትካላት ሃይማኖትን ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብን ኢትዮጵያ ንውፅኢታዊ ሃገራዊ ምኽክር”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ መድረኽ ምኽክር የካይድ ኣሎ።
ዋና ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ፕሮፌሰር መስፍን ኣርኣያ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ እቲ ኮሚሽን እቲ ምኽክር ኣሳታፍን ሓቛፍን ንምግባር ተሳተፍቲ ኣብ ምፍላይ ፍሉይ ትኹረት ሂቡ እናሰርሐ ፀኒሑ እዩ።
ክፋላት ሕብረተሰብ፣ትካላት ሃይማኖትን ትካላት ሲቪል ማሕበረሰብን ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ትካላትን ማሕበራትን፣ተፈለጥቲ ሰባት፣ውድባት ፖለቲካ ከምኡ እውን መንግሥቲ ብተወከልቶም ኣቢሎም ምስታፍ ከምዝተኽኣለ ኣረዲኦም።
ኣብ ውሽጢ ሃገር ጥራሕ ከይተገደበ ዶያስፖራ ወገናት እውን ኣብቲ ከይዲ ንክሳተፉ ፃዕሪ ከምዝገበረ ሓቢሮም።
እቲ ኮሚሽን ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ጉባኤ ምኽክር ዝዝትየሎም ኣጀንዳታት ሓንፂፁ ዕላዊ ምግባርን እቲ ጉባኤ ንምፅዋዕን ኣብ መወዳእታ ከምዝበፅሐ ብምግላፅ፤ ነዚ ድማ ቅድመ ምድላው እናገበረ ከምዝርከብ ፀሪሖም።
ናብዚ ወሳኒ ምዕራፍ ንምስግጋር ክሳለጡ ዘለዎም ዝተረፉ ስራሕቲ ከምዘለዉ ዝገለፁ እቶም ዋና ኮሚሽነር፤ ህዝብን ዝተፈላለዩ ዝምልከቶም ኣካላትን ክልል ትግራይ ኣጀንድኦም ዝህብሉን ኣብቲ ጉባኤ ምኽክር ንክሳተፉ ምግባርን ቁልፊ ጉዳይ እዩ ኢሎም።
ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ኣብቲ ምኽክር ንምስታፍ ፍቓደኛታት ዘይኮኑ ውድባት ፖለቲካ እውን ናብቲ ከይዲ ንክመፁ ንምግባር ተወሳኺ ፃዕርታት ምግባር ከምዘድለየ ተዛሪቦም።
ብተወሳኺ እውን ዕጥቂ ተዓጢቖም ዝንቀሳቐሱ ጉጅለታት ዘለውዎም ኣጀንዳታት ናብቲ ምኽክር ብምምፃእ ንውፅኢታውነት ከይዲ እቲ ምኽክር ተወሳኺ ዓቕሚ ስለዝኾነ ፍሉይ ፃዕሪ ኣድላይ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።
ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ኣቦታት ሃይማኖት፣ላዕለዎት ኣመራርሓ መንግስቲ፣ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ጉባኤ ትካላት ሃይማኖትን ሲቪል ማሕበረሰብን እቶም ዝተረፉ ስራሕቲ ንክዕወቱ እጃሞም ንክዋፅኡ ፃውዒት ኣቕሪቦም።