ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ኣዋርሕ ጥቅምትን ሕዳርን 2018 ዓ/ም ቁልፊ ዝኾኑ ተኸታተልቲ ሃገራውን ዓለም ለኻውን ስራሕቲ ኣሳሊጦም - ኢዜአ ትግርኛ
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ኣዋርሕ ጥቅምትን ሕዳርን 2018 ዓ/ም ቁልፊ ዝኾኑ ተኸታተልቲ ሃገራውን ዓለም ለኻውን ስራሕቲ ኣሳሊጦም
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ኣዋርሕ ጥቅምትን ሕዳርን 2018 ዓ/ም ቁልፊ ዝኾኑ ተኸታተልቲ ሃገራውን ዓለም ለኻውን ስራሕቲ ኣሳሊጦም። ብኣዳላውነት ደቡብ ኣፍሪካ ንፈለማ እዋን ኣብ ኣፍሪካ ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ መራሕቲ ሃገራት ኣባል ጉጅለ 20 ብምስታፍ ልዑል ዲፕሎማሲያዊ ዓወት ኣምፂኦም እዮም። ተሳትፎ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ ጉባኤ ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ብምሕላው ሓባራዊ ድምፂ ኣፍሪካ ንምጉላህ ዘኽኣለ እዩ ኔሩ። እዚ ድማ ፅዕንቶ እታ ኣህጉር ኣብ ዓለም ለኸ ጉዳያት እናተጠናኸረ ከምዝመፀ ዘረጋግፅ እዩ።
ፕሮጀክት ልምዓት መስኖን ምንቅስቓስ ልምዓት ቱሪዝምን ብዝምልከት፡-
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ጎንደር ኣብ ዝነበሮም ዑደት ኩነታት ስራሕ ፕሮጀክት ልምዓት መስኖ መገጭ ገምጊሞም እዮም። እቲ ፕሮጀክት ኣብ ልዕሊ 870 ሄክታር መሬት ዝዓረፈ እንትኸውን፤ 17000 ሄክታር መሬት ብመስኖ ቀረባት ከምዝሽፍን ትፅቢት ይግበረሉ። ብሓፈሻ ግድብ መገጭ እንትዛዘም መፍረያይነት ግብርና እቲ ከባቢ ዘዕቢ ክኸውን እዩ።
ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸውን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ብምዃን ኣብታ ከተማ ኣብ ዝገበርዎ ዑደት፥ ዝተሓደሰ ቀፅሪ ፋሲል መሪቖም።
እቲ ስራሕቲ ሕድሳት፥ መዋቕር ፅገና ህንፀት እቲ ቤተ መንግስቲ፣ ምምሕያሽ መገዲታት እግሪ፣ ቁልፊ ዝኾኑ ህንፃታት ብባህላዊ ናውቲታት ዝግባን ኣውሒን ብምጥቃም መልክዕን ባህሪን እቲ ቦታ ንምሕላው ተሰሪሑ።
ብተወሳኺ ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ጎርጎራ ልዕሊ 180 ሰባት ናይ ምጉዕዓዝ ዓቕሚ ዘለዋ ጣናነሽ ፪ ዝተብሃለት ጀልባ ስራሕ ኣጀሚሮም።
ብተመሳሳሊ ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ከተማ ባህርዳር ኣብ ዝነበሮም ዑደት፥ ዓለም ለኸ ስታዲየም ባህርዳር፣ እታ ከተማ ንዓውዲ ቱሪዝም ምቹእ ንምግባር ዝካየዱ ዘለዉ ስራሕቲ ርእዮም።
እቲ 52 ሺሕ ሰብ ናይ ምሓዝ ዓቕሚ ዘለዎ ስታዲየም ብመሰረት ካፍ ዘቐመጦ ስታንዳርድ ደረጅኡ ኣብ ምምሕያሽ ጠመተ ሂብካ ዝስራሕ ዘሎ ከምዝኾነ ተዓዚቦም።
ካብዚ ብተወሳኺ ጎርጎራ ኢኮ ሪዞርት መሰረት ብምግባር ኣብ ባህርዳር ወሰን ቀላይ ጣና ዝህነፅ ዘሎ ፈለገ ጊዮን ሪዞርት ዝረኣዩ እንትኾኑ፥ እቲ ሪዞርት ናብ ስራሕ እንትኣቱ ናይታ ከተማ ናይ ቱሪዝም ካብ ምንቕቓሕ ብተወሳኺ ንብዙሓት መናእሰይ ዕድል ስራሕ ዝፈጥር ከምዝኾነ ኣብቲ እዋን ተዛሪቦም።
ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ከተማ ከሚሴ ኣብ ዝገበርዎ ዑደት፥ ኣብታ ከተማ ዝካየዱ ዘለዉ 1.3 ኪሎ ሜትሮ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር ረእዮም።
ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዋና ቤት ዕዮ ኢንስቲቲዩት ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ዑደት ብምግባር ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ዝነኣድ ለውጢ ህንፀትን ዘበናዊ ጥበብ መስርሒ ቦታን ብምርኣይ ንሰራሕተኛታት ኣዝዩ ምቹእ ዝኾነ ስፍራ ምፍጣሩ ገሊፆም።
እቲ ትካል ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ዓውዲ ጥዕና፣ ግብርና፣ ኣገልግሎት ዝምዕብል ዘሎ ናይ መሪሕነት ኣስተዋፅኦኡ ይዋፃእ ዘሎ እንትኸውን፥ ብክላውድ ኮምፒውቲንግ፣ ዓበይቲ ማዕኸናት ሓበሬታ፣ ምድላይ ሓበሬታ፣ ምጉልባት ዓቕሚ ሮቦቲክስን ኢመርሲቭ ቴክኖሎጂታትን ይርከብ ኢሎም።
ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድን (ዶ/ር) ኣብ ጉባኤ ኣባል ሃገራት ጉጅለ 20 ምስ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ብምዝታይ ስትራቴጂካዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ዘፅንዑ ከልቲኣዊን ኩለመዳያዊን ዲፕሎማሲያዊ ተግባራት አዐዊቶም ኢዮም።
እቶም ቀደማይ ሚኒስትር፥ ምስ ፕሬዝደንት ደቡብ ኣፍሪካ ሲሪል ራማፎሳ፣ ዋና ዳይሬክተር IMF ክሪስታሊና ጂኦርጂየቫ፣ ፕሬዝደንት ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ዶክተር ሲዲ ኡልድ ታህ፣ ኣቡዳቢው ልዑል ወራሲ ዓራት፣ ፕሬዝደንት ቱርክዬ፣ ፕሬዝደንት ፊንላንድ፣ ፕሬዝደንት ፈረንሳይ፣ ናይ ጀርመን ቻንሰለር፣ ቀደማይ ሚኒስትር ኖርዌይ፣ መራሕቲ ህንዲ፣ ቬይትናም፣ ደቡብ ኮሪያን ኣውስትራሊያን ዕዉት ዘተ ኣካይዶም።
ብተወሳኺ ምስ ቀደማይ ሚኒስትር ዩናይትድ ኪንግደም፣ ፕሬዝደንት ብራዚል፣ ቀደማይ ሚኒስትር ኔዘርላንድ፣ ቀደመይቲ ሚኒስትር ጣሊያንን ምክትል ፕሬዚዳንት ኢንዶኔዢያን እወንታዊ ዘተ ኣካይዶም።
ምምራፅ ኢትዮጵያ ንኣዳላውነት ኮፕ 32፡-
ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ኢትዮጵያ ዝኾኑ ዶክተር ጌዲዮን ጢሞቴዎስ ፕሬዚደንት ኮፕ 32 ኮይኖም ምምዳቦም ስዒቡ፤ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣብ ዝተረኸብሉ ስራሕቲ ምድላው ንምውዳድ ዘኽእል ኣኼባ ብሄራዊ መተሓባበሪ ኮሚቴ ተኻይዱ እዩ። እቲ ኣኼባ ኢትዮጵያ ኮፕ 32 እንትተተናግድ ሓቛፍን ብኣግባቡ ዝተዳለወን ጉባኤ ንክተካይድ ንምርግጋፅ መንግስቲ ዘለዎ ቆራፅነት ዘርኣየሉ እዩ።
ብሓፈሻ ኣብ ኣዋርሕ ጥቅምትን ሕዳርን 2018 ዓ/ም ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)ፕሮጀክትታት ልምዓት መስኖ፣ ስራሕቲ ልምዓት ቱሪዝምን ኢትዮጰያ ኣብ ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ተግባራዊነት ንምቅልጣፍ ከምኡ እውን እታ ሃገር ብዲፕሎማሲ ንምዕባይ ዝተኸተልዎ ኣመራርሓን ብውፅኢት ዝተዓጀበ እዩ ኔሩ። ኣብ መወዳእታ እቲ ወርሒ እውን እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ንኣዛዚ እዚ ኣፍሪካ ዩናይትድ ስቴትስ ጄነራል ዳግቪን አር ኤም አንደርሰንን ረኺቦም ኣብ ዞባዊ ጉዳያት ፀጥታ ዘትዮም እዮም።