ምዝገባ ጉዕዞ ሐጅ 2018 ዓ.ም ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 22/2018 (ኢዜኣ) ምዝገባ ጉዕዞ ሐጅ 2018 ዓ.ም ካብ ሎሚ ጀሚሩ ከምዝተጀመረ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ንምዝገባ ጉዕዞ ሕጅ 2018 ዓ.ም  ምጅማሩ ኣመልኪቱ መግለፂ ሂቡ።
ተቀዳሚ ምክትል ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ኣብዱልከሪም በድረዲን፤ እቲ ምዝገባ ብዘበናዊ ቴክኖሎጂ ዝተደገፈ ከምዝኾነ ገሊፆም።
ነቲ ጉዕዞ ረቛሕታት ዘማልኡ ኩሎም ካብ ሎሚ ጀሚሮም ክሳብ 18 ጥሪ 2018 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ግዜ ምምዝጋብ ከምዝኽእሉ ኣፍሊጦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም