ቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ኣብ ከተማ ጎንደር ንዝርከቡ ጉዱኣት ኣካል ደገፍ ገይሩ - ኢዜአ ትግርኛ
ቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ኣብ ከተማ ጎንደር ንዝርከቡ ጉዱኣት ኣካል ደገፍ ገይሩ
ጎንደር/ሕዳር 22/2018(ኢዜኣ) ቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ኣብ ከተማ ጎንደር ንዝርከቡ ጉዱኣት ኣካል ደገፍ ገይሩ።
እቲ ቤት ፅሕፈት ብደገፍ ካብ ዘበርከቶም ንብረታት 20 ዊልቸራት ጉዱኣት ኣካል ሓዊሱ ንክልተ ኣብያተ ትምህርቲ ናውቲ ሚኒ ሚድያን ን20 ፕሮጀክትታት ስፖርት ናውቲ ስፖርትን ከምዝርከብዎም ተገሊፁ።
ተቀዳሚ ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ጎንደር ቻላቸው ዳኘው እቲ ደገፍ ኣብ ዝተቐበልሉ እዋን፤ ቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ቅድሚ ሕዚ ኣብ ህንፀት ቤት ትምህርቲ ከምኡ እውን ምምላእ እታዎታት ትምህርቲ ደገፍ ምግባሩ ኣዘኻኺሮም።
እቲ ሎሚ ዝተገበረ ደገፍ እውን ብፍላይ ጉዱኣት ኣካል ካብ ቦታ ናብ ቦታ ተንቀሳቒሶም ንክሰርሑ ከምኡ እውን ትምህርቶም ንክከታተሉ ምችው ዕድል ዝፈጥር እዩ ኢሎም።
ቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ንዝገበሮ ደገፍ እውን ኣመስጊኖም