መዓልቲ ብሄር፣ብሄረሰባትን ህዝብታትን ሕብረ ብሄራዊ ሓድነት ብምጥንኻር ንህንፀት ምስሊ ሃገር ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ ኣበርኪቱ እዩ-ኣፈ ጉባኤ ኣገኘሁ ተሻገር

ቡሌ ሆራ/ሕዳር 22/2018 (ኢዜሕ) በዓል ብሄር፣ብሄረሰባትን ህዝብታትን ሕብረ ብሄራዊ ሓድነት ብምጥንኻር ንህንፀት ምስሊ ሃገር ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ ከምዘበርከተ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር ገሊፆም።
መበል 20 መዓልቲ ብሄር፣ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ብብርኪ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ዞባ ምዕራብ ጉጂ ከተማ ቡሌ ሆራ ብድሙቕ ተኸቢሩ።



ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ እቲ በዓል ኢትዮጵያውያን ብሓባር ንምንባር ዝተስማዕምዕሉን በቢዓመቱ ባህላዊ ፀጋታቶም ኣብ ኣደባባይ ዝገልፅሉን እዩ።
እዚ ድማ ጠንካራ ስርዓት ፌዴራል ንክህሉ ብምግባር ሕብረ ብሄራዊ ሓድነት እናጠናኸረ ንህንፀት ምስሊ ሃገር ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ ከምዘበርከተ ተዛሪቦም።
እቲ በዓል ሕድ ሕዳዊ ምትእስሳር ብዘጠናኽር መልክዑ በቢብርኩ ብምኽባር 29 ሕዳር 2018 ዓ/.ም ኣብ ክልል ማእኸላይ ኢትዮጵያ ከተማ ሆሳእና ብብርኪ ሃገር ከምዝኽበር ኣረዲኦም።


 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም