ኢንስቲትዩት ስፔስ ሳይንስን ጂኦስፓሻልን ካብ ሳተላይት ብዘይ ምቁራፅ ሓበሬታ ዝቕበሉ ጣብያታት ኣገልግሎት ኣጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 22/2018(ኢዜኣ) ኢንስቲትዩት ስፔስ ሳይንስን ጂኦስፓሻልን ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከተማታት ክልልን ዝተተኸሉ ካብ ሳተላይት ብዘይ ምቁራፅ ሓበሬታ ዝቕበሉ ጣብያታት ኣገልግሎት ኣጀሚሩ።


ሚኒስትር ዲኤታ ከተማን መሰረተ ልምዓትን ፈንታ ደጀን ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ሎሚ መዓልቲ ስራሕ ዝጀመሩ ጣብያታት ኣብ ከተማታት ዝምዝገብ ዘሎ እመርታዊ ለውጢ ኣብ ምጥንኻር ዓብይ ኣስተዋፅኦ ኣለዎም።
ብፍላይ ድማ ከተማታት ብፕላን ከምኡ እውን ኣብ ከተማታት ዘሎ መሬት ቆፂሩ መዝጊቡ ብፍትሓዊነት ንምምራሕን ትኽከለኛነት ቅየሳ ንምርግጋፅን ዝለዓለ ፋይዳ ኣለዎም ኢሎም።
ሚኒስቴር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ኣብ ቀፃሊ እውን 14 ካብ ሳተላይት ብዘይ ምቁራፅ ሓበሬታ ዝቕበሉ ጣብያታት ንምህናፅ እናሰርሐ ከምዝርከብ እውን ኣፍሊጦም።




ሚኒስትር ዲኤታ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ሙሉቀን ቀሬ ብግደኦም፤ ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ንዲጂታል ልምዓት መሰረት ዝኾኑ ቁልፊ ዓወታት ንክምዝገቡ ከምዘኽኣለ ሓቢሮም።
ኣብ ህንፀት መሰረተ ልምዓት ቴክኖሎጂ ሰፋሕቲ ስራሕቲ ከምዝተሳለጡ ብምግላፅ፤ ኣብ ቀፃሊ እውን እቲ ሚኒስቴር ካብ ሳተላይት ሓበሬታ ዝቕበሉ ጣብያታት ንምስፍሕፋሕ ብምትሕብባር ከምዝሰርሕ ኣረጋጊፆም።



ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ስፔስ ሳይንስን ጂኦስፓሻልን ኣብዲሳ ይልማ (ዶ/ር)፤ እቶም ሎሚ መዓልቲ ስራሕ ዝጀመሩ ሓበሬታ ተቐበልቲ ጣብያታት ዘበናዊ ቴክኖሎጂ ዝተማልአሎም እዮም ኢሎም።
እቲ ኢንስቲትዩት፤ እቶም ጣብያታት ንስራሕቲ ቅየሳን ምድላው ካርታን ከምኡ እውን ንምርምር ብሰፊሑ ከምዝጥቀመሎም ኣረዲኦም።


 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም