መበል 20 መዓልቲ ብሄር፣ብሄረሰባትን ህዝብታትን ብብርኪ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ከተማ ቡሌ ሆራ ይኽበር ኣሎ - ኢዜአ ትግርኛ
መበል 20 መዓልቲ ብሄር፣ብሄረሰባትን ህዝብታትን ብብርኪ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ከተማ ቡሌ ሆራ ይኽበር ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ/ ሕዳር/22/ 2018 (ኢዜኣ) መበል 20 መዓልቲ ብሄር፣ብሄረሰባትን ህዝብታትን ብብርኪ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ከተማ ቡሌ ሆራ ይኽበር ኣሎ።
ኣብቲ በዓል፤ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር፣ኣፈ ጉባኤ ጨፌ ኦሮሚያ ሰዓዳ ኣብዱራህማን፣ሓላፊ ቢሮ ኮሚኒኬሽን እቲ ክልል ኣይተ ሃይሉ ኣዱኛን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፌዴራልን ዕዱማት ኣጋይሽን ተረኺቦም።
መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ባህሊ፣መንነትን ትውፊትን ህዝቢ እቲ ክልል ብዘርእይ መገዲ እዩ ዝኽበር ዘሎ።
ትማሊ እቲ በዓል ዝጠመተ ፓናል ዘተ ኣብ ዩንቨርስቲ ቡሌ ሆራ ምክያዱ ይዝከር።
መበል 20 መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኣብ ክልል ማእኸላይ ኢትዮጵያ “ዴሞክራሲያዊ ምርድዳእ ንሕብረ ብሄራዊ ሓድነት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ካብ 25 ሕዳር 2018 ዓ.ም ጀሚሩ ክኽበር እዩ።