ኣብ ክልል ትግራይ ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅ እቲ መንእሰይ ንቑሕ ተሳትፎ ክገብር ኣለዎ-ትዴፓ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ክልል ትግራይ ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅ እቲ መንእሰይ ንቑሕ ተሳትፎ ክገብር ኣለዎ-ትዴፓ
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 22/2018(ኢዜኣ) ኣብ ክልል ትግራይ ዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ንምርግጋፅ እቲ መንእሰይ ንቑሕ ተሳትፎ ክገብር ከምዘለዎ ትግራይ ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ(ትዴፓ) ገሊፁ።
ዋና ፀሓፊ ትግራይ ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ(ትዴፓ) ሙሉብርሃን ሃይለ ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ህዝቢ እቲ ክልል ዘጋጠምዎ ፈተናታት ንምፍታሕ እቲ መንእሰይ ንቑሕ ተሳትፎ ክገብር ትፅቢት ይግበረሉ።
ብፍላይ ድማ ኣብቲ ክልል ዘላቒ ሰላም ንክመፅእ እቲ መንእሰይ ኣብ ቀፃሊ መረፃ ንቑሕ ተሳትፎ ምግባር ትፅቢት ከምዝግበረሉ ብምግላፅ፤ ነዚ ድማ ኣብ ከይዲ ፖለቲካ ናይ ባዕሉ ኣስተዋፅኦ ንምብርካት ዘኽእልዎ ስራሕቲ ትዴፓ እናሳለጠ እዩ ዝርከብ ኢሎም።
ኣብቲ ክልል ኩሉ ዝሳተፈሉ ብዲሞክራሲያዊ መንገዲ ዝተመረፀ ፓርቲ ናብ ስልጣን ንክመፅእ ናይ ምግባር ስራሕ ትኹረት ከምዝተውሃቦ ሓቢሮም።
ምስ ዝተፈላለዩ ኣወዳድባታት፣ልሂቃንን ኣብቲ ክልል ዝንቀሳቐሱ ውድባት ፖለቲካን ሓዊሱ ምስ ሲቪክ ማሕበራት ብምውዳድ ናይ ምስራሕ ጅማሮታት ከምዘለዉ እውን ኣረዲኦም።
ትግራይ ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ(ትዴፓ) ኣብ ዝቕፅል መረፃ ንምውድዳር ምድላው እናገበረ ከምዝኾነ ኣፍሊጦም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ህዝቢ ትግራይ ካብ ዝኾነ ነገር ንላዕሊ ሰላም፣ልምዓትን ዲሞክራስን እዩ ዝደሊ ዝበሉ እቶም ዋና ፀሓፊ፤ እዚ ንምዕዋት ሓባራዊ ቃልሲ ከምዘድሊ ተዛሪቦም።
ብካሊእ መዳይ ነበር ህወሓት ቀፃሊ መረፃ ንከይሳለጥ ንምግባር ዝገብሮም ምንቅስቓሳት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ከም ምቕላድ ተገይሩ ዝውሰድ እዩ ኢሎም።
ተፈጥሮኣዊ ባህሪ ነበር ህወሓት ሰላማዊ ቃልሲ ዘይፈትውን ዘይደልን ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ኣባላት እቲ ጉጅለ ብልዕልና ሓሳብ ዘይኣምኑ ከምዝኾኑ ገሊፆም።
ዝኾነ ኣካል ንሰላምን ዕቤትን ህዝቢ ዝሓስብ እንተኾይኑ ብሕጋዊ መንገዲ ተመዝጊቡ ዓርሱ ንመረፃ ከዳለው ከምዘለዎ እውን ሓቢሮም።