ብልፅግና ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ማዕረ ክንጎዪ ኣለና-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 22/2018 (ኢዜኣ) ህልውን ብልፅግና ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ኩላትና በቢዓውድና ማዕረ ክንጎዪ ትፅቢት ይግበረልና ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ተዛሪቦም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ “ብምልከታ ናይ መደመር መንግሥቲ፤ ዝላ ዓውድታት”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ንላዕለዎት ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና ስልጠና ሂቦም።



ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ሓንቲ ሃገር ካብ ካልኦት ድሑርቲ እትበሃል ብፖለቲካዊ፣ ማሕበራዊ፣ኢኮኖሚያውን ቴክኖሎጂካውን መለክዕታት ካብ ሓንቲ ማዕቢላ እትበሃል ሃገር ዝተሓተት ኮይና እንትትርከብ እዩ ኢሎም።
ምቁራፅ ዕቤት፣ቀፃልነት ዘለዎ ዕቤት ዘይምህላው፣ምትእጉጓል ቅልጣፈ፣ዕንክሊል ፖለቲካን ስምብራት ኢኮኖምን መግለፅታት ድሕረት ተገይሮም ከምዝውሰዱ እውን ኣብራህሪሆም።
ትካላዊ ውድቀት፣ባህለዊ ውድቀትን ኢኮኖሚያዊ ምድኻምን መበገስታት ድሕረት ከምዝኾኑ እውን ገሊፆም።
ስለዚ ኣካላዊ ሓፁር፣ትካላዊ(ስርዓታዊ) ሓፁር ከምኡ እውን ባህላዊ ሓፁር ዝተብሃሉ ሰለስተ ሓፁር ከልከልቲ ዕቤት ሃገር እንተዘይፈሪሶም ከም ሃገር፣ከም ክልል ኢሉ እውን ከም ከተማ ዕቤት ኣይመፅእን ክብሉ እውን ኣረዲኦም።



ፍልጠት ሓፂርና፣ገንዘብ ሓፂርናን ምዕባይ ደሊናን ከመይ ክኸውን ይኽእል? ሓቢሮም ክኸዱ ኣይኽእሉነ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ዕቤት ዝመፅእ ፍልጠትን ገንዘብን ካብ ዘለዎ ቦታ ምስሓብ እንትንኽእል እምበር እንትንደፍኦ ኣይኮነን ኢሎም።
ስለዝኾነ እውን ምርግጋፅ ህልውና ብልፅግና ኢትዮጵያ ንደሊ እንተኾይንና፣ንብልፅግና ኢትዮጵያ ምስራሕ ከምኡ እውን መሰረት ምንባር እንተደሊና ኩላትና ማዕረ ክንጎዪ ትፅቢት ይግበረልና ክብሉ ኣረዲኦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም