ሕብረት ኣፍሪካ ዘዳለዎ ፈላማይ ኮንፈረንስ ዲጂታል ግብርና ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ክጅምር እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 22/2018(ኢዜኣ) ሕብረት ኣፍሪካ ዘዳለዎ ፈላማይ ኮንፈረንስ ዲጂታል ግብርና ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ።
“ኢኖቬሽንን ዲጂታል መፍትሕታትን ጠንካራ፣ሓምለዋይን ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈን ህንፀት ዓውዲ ግብርና ብምጥቃም መፃኢ እዋን ኣፍሪካ ብሩህ ምግባር”መሪሕ ሓሳብ እቲ  ኮንፍረንስ እዩ።
መፍረያይነት ግብርና ምዕባይ፣ኣገልግሎት ኤክስቴሽን ዲጂታል ግብርና፣ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን ግብርና፣ተበፃሕነት ዕዳጋ፣ምጥንኻር ሰንሰለት ፀጋ፣መፍረያነት ግብርና ምስ ህንፀት ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘይቃላዕ ዓቕሚ ዘተኣሳሰረ ኣካይዳ ምኽታል፣ትግበራ ፖሊሲታትን ማዕቐፋት ሕግን ግብርና ኣብቲ ኮንፈረንስ ዝዝተየሎም ኣጀንዳታት እዮም።



እቲ ኮንፈረንስ ስግግር ፍልጠትን ፖለሲ ተኮር ዘተታትን ዝግበረሉ እንትኸውን ዕዉታት ኢንሼቲቫት ግብርና ሃገራት ንተሳተፍቲ ከምዝቐርብ እውን ኢዜኣ ካብ ሕብረት ኣፍሪካ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመላኽት።
ኣብዚ ክሳብ 24 ሕዳር 2018 ዓ/ም ዝፀንሕ ኮንፈረንስ፤ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስትን መውጻእቲ ፖሊሲን ሃገራት ኣፍሪካ፣ተመራመርትን ሳይንቲስትታትን ግብርና፣ሰብ ሞያ ቴክኖሎጂ፣ሓረስቶትትን ትካላት ሓረስቶትን፣ትካላት ምርምር፣ሰብ ሃፍቲ፣መሓዙት ልምዓትን መዳርግቲ ኣካላትን ክሳተፉ እዮም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም