ኢትዮጵያ ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዓለም ንምትእንጋድ ምምራፃ ኣብ ህንፀት ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ንዘለዋ ቆራፅነት ዝተውሃበ ኣፍልጦ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዓለም ንምትእንጋድ ምምራፃ ኣብ ህንፀት ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ንዘለዋ ቆራፅነት ዝተውሃበ ኣፍልጦ እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 21/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዓለም ንምትእንጋድ ምምራፃ ኣብ ህንፀት ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ንዘለዋ ቆራፅነት ዝተውሃበ ኣፍልጦ ከምዝኾነ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ገሊፆም።
በዓል መዚ በይነ መንግስትታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ(ኢጋድ) “ውፅኢታዊ ፀብፃብ ለውጢ ከብባያዊ ኣየር፤ ድሕንነቱ ንዝተረጋገፀ፣ጠንካራን ዝተረጋግዐን ዞባ”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ሽልማት ሚድያ 2025 ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እናሳለጠ እዩ ዝርከብ።
ኣብቲ መድረኽ፤ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር)፣ዋና ፀሓፊ ኢጋድ ወርቅነህ ገበየሁ፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስትን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።
ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኢጋድ ካብ ዝተጣየሸሉ እዋን ጀሚሩ ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ምላሽ ንምሃብ ብትኹረት እናሰርሐ እዩ ዝርከብ።
ፅልዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምቕናስ እውን ብስትራቴጂክ ትልሚ ምምራሕ ዘኽእል ስራሕ ምትሕብባር እናሳለጠ እዩ ዝርከብ ኢሎም።
ኢትዮጵያ እውን ፅልዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምቕናስ ብተግባር ዝተደገፈ ለውጢ ኣብ ዘምፅእ ስጉምቲ ትኹረት ሂባ እናሰርሐት ከምትርከብ ኣረዲኦም።
ኢትዮጵያ ድሕሪ ክልተ ዓመታት ዝካየድ መበል 32 ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ውድብ ሕቡራት መንግስትታት(ኮፕ 32) ኣብ 2027 ንምትእንጋድ ብሙሉእ ድምፂ ምምራፃ ፅልዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምቕናስ ንዘለዋ ቆራፅነት ዝተውሃበ ኣፍልጦ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።
ፅልዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምቅላስ እውን መራኸብቲ ሓፋሽ ግምባር ቀደም እጃም ከምዘለዎም ኣፍልጦ ጋዜጠኛታት ኢጋድ 2025 መርኣያ እዩ ኢሎም።