ጋዜጠኛ ኢዜኣ ጌትነት ሸንቁጤ ኣብ ዓውዲ ዲጂታል ሚድያ ሽልማት ሚድያ ኢጋድ ኣሸኒፉ - ኢዜአ ትግርኛ
ጋዜጠኛ ኢዜኣ ጌትነት ሸንቁጤ ኣብ ዓውዲ ዲጂታል ሚድያ ሽልማት ሚድያ ኢጋድ ኣሸኒፉ
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 21/2018 (ኢዜኣ) ጋዜጠኛ ናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት(ኢዜኣ) ጌትነት ሸንቁጤ ኣብ ዓውዲ ዲጂታል ሚድያ ሽልማት ሚድያ በዓል መዚ በይነ መንግስትታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ(ኢጋድ) 2025 ኣሸናፊ ኮይኑ።
እቲ ሽልማት ካብ ዋና ፀሓፊ ኢጋድ ወርቅነህ ገበየሁ (ዶ/ር) ተረኪቡ።
ሽልማት ሚድያ በዓል መዚ በይነ መንግስትታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ(ኢጋድ) 2025 ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ።
እቲ መርሃ ግብሪ ሽልማት፣፤ “ውፅኢታዊ ፀብፃብ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ድሕንነት ንዝተረጋገፀ፣ጠንካራን ዝተረጋግዐ ዞባን”ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ እዩ ዝካየድ ዘሎ።
ኣብቲ መድረኽ፤ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር)፣ዋና ፀሓፊ ኢጋድ ወርቅነህ ገበየሁ፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስትን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።
ኣብቲ መድረኽ፤ ጋዜጠኛ ኢዜኣ ጌትነት ሸንቁጤ ኣብ ዓውዲ ዲጂታል ሚድያ ሽልማት ሚድያ በዓል መዚ በይነ መንግስትታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ(ኢጋድ) 2025 ኣሸናፊ ብምዃን ሽላምቱ ተረኪቡ።