መንግስቲ እቲ ክልል ሙዜማት ሓልዩ ኣብ ምልማዕን ኣብ ምክንኻንን ውፅኢታዊ ስራሕቲ ኣሳሊጡ እዩ


ሃረር/ሕዳር 20/2018(ኢዜኣ) መንግስቲ ክልል ሃረሪ ሙዜማት እቲ ክልል ሓልዩ ኣብ ምልማዕን ኣብ ምክንኻንን ውፅኢታዊ ስራሕቲ ከምዘሳለጠ ሚኒስትር ቱሪዝም ሰላማዊት ካሳ ገሊፀን።
ሚኒስትር ቱሪዝም ሰላማዊት ካሳ ምስ ኣምባሳደራትን ተወከልቲ ዓለም ለኸ ትካላትን ብምዃን ኣብ ክልል ሃረሪ ዝርከቡ ሙዜማት ጎብንየን።



እተን ሚኒስትር፤ ኣብቲ ዝተገበረ ዑደት ዝርከቡ ዘደንቑ ስፍራታት ቱሪዝም ብፍላይ ድማ ንሃረሪ ዝተውሃባ ዘደምም ሓድግታት ተዓዚብና ክብላ ንኢዜኣ ሓቢረን።
ካብቶም ዝተዓዘብዎም ብፍላይ ድማ ንዘበናት ተሓልዮም ዝፀንሑን ኣብ ሙዜማት ዝርከቡ ጥንታዊን ታሪኻውን ሓድግታት፣ ሃይማኖታዊ ልዑል ቦታ ዝወሃቦም ፅሑፋትን መፅሓፍትን ከምዝርከብዎም እውን ፀሪሐን።

መንግስቲ እቲ ክልል ምስ መሓዙት ኣካላት ብምዃን ሙዜማት ሓልዩ ኣብ ምልማዕን ኣብ ምክንኻንን ውፅኢታዊ ስራሕቲ ኣሳሊጡ እዩ ኢለን።
ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ሙዜማት ኣተሓሕዝኦምን ኣትቀራርብኦምን መርኣያ ዝኾኑን ልምዲ ዝውሰደሉን ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ሃረር ህያው ሙዜም ንክትበሃል ካብ ዘኽኣልዋ ባህላዊ ኣባይቲ እቲ ሓደ ከምዝኾነ ኣረዲአን።

ሕድ ሕድ ናውቲ ትርጉምን መልእኽትን ዘለዎምን ዝነኣዱን ከምዝኾኑ ምዕዛቦም እውን ተዛሪበን።
እዚ ድማ ታሪኻት ተሓልዮም ንመፃኢ ወለዶ ንክመሓላለፉ ዘኽእል ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ካልኦት ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ሙዜማት ንክጉብነዩ ፃውዒት ኣቕሪበን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም