ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብኹሎም ብሄራት፣ብሄረሰባትን ህዝብታትን ሰሓቢት ኮይና እናተሃነፀት እያ- ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ




ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 20/2018(ኢዜኣ) ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብኹሎም ብሄራት፣ብሄረሰባትን ህዝብታትን ሰሓቢት ኮይና እናተሃነፀትን መድመቒት ኢትዮጵያውያን እናኾነትን እያ ክብላ ከንቲባ እቲ ምምሕዳር ከተማ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።
ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ መርሃ ግብሪ መዛዘሚ መበል 20 መዓልቲ ብሄር፣ብሄረ ሰባትን ህዝብታትን ብብርኪ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ፤  ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር፣ከንንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ፣ኣፈ ጉባኢር ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ክርተማ ኣዲስ ኣበባ ቡዜና አልከድር፣ምክትል ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ሎሚ በዶ፣ኣፈ ጉባኤታት ቤት ምኽሪ ክልላት፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ነበርቲ እታ ከተማን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።

ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብዚ እዋን፤ ንመበል 20 መዓልቲ ብሄር፣ብሄረሰባትን ህዝብታትን መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፈን።
ብፅባቐ ብዝሃነት ዝደመቐት ኢትዮጵያ ሕብረ ብሄራዊ ሕብረትን ጠንካራ ሓድነትን እናሃነፀት እያ ኢለን።

ምንስርራእ ኢትዮጵያ ብስራሕቲ ልምዓት ጥራሕ ዘይኮነስ ህዝብታት ብዝበለፀ መንነቶም፣ክብሮምን ባህሎምን ነንሕድ ሕዶም ብምኽባርን ብምጥንኻርን እውን እዩ ዝዕወት ክብላ ሓቢረን።

ብሄር፣ብሄረሰባትን ህዝብታትን ሃገርና ንሓድነቶም ሰፊሕ ቦታ ብምሃብ ንብልፅግና ኢትዮጵያ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም ኣብ ዝሰርሕሉ ምዕራፍ ከምዝርከቡ እውን ኣረዲአን።
ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብኹሎም ብሄራት፣ብሄረሰባትን ህዝብታትን ሰሓቢት ኮይና እናተሃነፀት እያ ክብላ እውን ተዛሪበን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም