መዓልቲ ብሄር፣ብሄረ ሰባትን ህዝብታትን ሕብረ ብሄራዊ ሓድነት ኢትዮጵያ ዘጠናኽር እዩ-ኣፈ ጉባኤ ኣገኘሁ ተሻገር


ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 20/2018(ኢዜኣ) መዓልቲ ብሄር፣ ብሄረ ሰባትን ህዝብታትን ሕብረ ብሄራዊ ሓድነት ኢትዮጵያ ኣብ ምጥንኻርን ዘላቒ ሰላም ኣብ ምፅናዕን ርኡይ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር ገሊፆም።
ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ መርሃ ግብሪ መዛዘሚ መበል 20 መዓልቲ ብሄር፣ብሄረ ሰባትን ህዝብታትን ብብርኪ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተኻይዱ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ፤  ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር፣ከንንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ፣ኣፈ ጉባኢር ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ክርተማ ኣዲስ ኣበባ ቡዜና አልከድር፣ምክትል ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ሎሚ በዶ፣ኣፈ ጉባኤታት ቤት ምኽሪ ክልላት፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ነበርቲ እታ ከተማን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።
ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ መዓልቲ ብሄር፣ ብሄረ ሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያውያን ፀጋታቶም፣ባህሎምን ልምዶምን ዝለዋወጥሉ መዓልት እዩ።

ብዝሃነቶም ዘርእይሉ፣ሕብረ ብሄራውን ዲሞክራሲያውን ሓድነቶም ዘጠናኽርሉ፣ንዘላቒ ሰላም፣ቅልጡፍ ልምዓትን ዕቤት ኢኮኖምን ዝዝትይሉን ቃል ዝኣትውሉን መዓልቲ ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም።
ናይ ሎሚ ዘበን መዓልቲ ብሄር፣ብሄረሰባትን ህዝብታትን  ንሃገራው ምርድዳእ ዕንቅፋት ዝኾኑ ፀገማት ብዘተን ምኽክርን ብምፍታሕ ሕብረ ብሄራዊ ሓድነትና ንምፅናዕ ተግባራዊ ምንቅስቓስ ኣብ ዝጀመርናሉ እዋን ዝኽበር እዩ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም