ልምዓት መባፅሕታት ቱሪዝም ነቲ ዓውዲ ልዑል ምንቕቓሕ ፈጢሩ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ልምዓት መባፅሕታት ቱሪዝም ነቲ ዓውዲ ልዑል ምንቕቓሕ ፈጢሩ እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር/ 20/2018(ኢዜኣ) መንግስቲ ንልምዓት መባፅሕታት ቱሪዝም ዝሃቦ ትኹረት እቲ ዓውዲ ብዝለዓለ ኩነታት ብምንቕቓሕ ንዕቤት ኢኮኖሚ ኣስተዋፅኦ ንከበርክት እናገበረ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ኢትዮጵያ ካብ ቀረባ እዋን ናብዚ ኣብ ህንፀት ብዝሃ ኢኮኖሚ ብትኹረት እናሰርሐትሎም ካብ ዘለዉ ዓውድታት ቱሪዝም እቲ ሓደ እዩ።
ፕሬዚዳንት ማሕበር ኦፕሬተር ቱር ኢትዮጵያ ፍፁም ገዛሀኝ ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ መንግስቲ ንዓውዲ ቱሪዝም ካብቶም ሓሙሽተ ዓምድታት ኢኮኖሚ እቲ ሓደ ብምግባር ዘሳለጦም ስራሕቲ ውፅኢት እናተረኸበሎም እዩ።
እዚ ድማ እቲ ዓውዲ ንሓፈሻዊ ዕቤት ኢኮኖሚ ዘለዎ ብፅሒት ምዕባይ ዘኽኣለ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ቱሪዝም ውሽጢ ሃገር ናይ ምትብባዕ ስራሕ ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ረብሓ እቲ ዓውዲ ካብ ምዕባይ ብተወሳኺ ሓድነት ኣብ ምጥንኻር ኣስተዋፅኦ ከምዝገብር ኣረዲኦም።
ኢትዮጵያ መባፅሕታት ቱሪዝም ኣብ ምልማዕን ኣብ ምልላይን ተሞኩሮ ዝውሰደሎም ስራሕቲ ምስላጥ ከምዝኸኣለት እውን ገሊፆም።