ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ ማእኸል ንፁህ ኢነርጂ ምዃን ዘኽእላ ምንቅስቓስ ሓምለዋይ ልምዓት እናገበረት እያ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ ማእኸል ንፁህ ኢነርጂ ምዃን ዘኽእላ ምንቅስቓስ ሓምለዋይ ልምዓት እናገበረት እያ
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 20/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ ማእኸል ንፁህ ኢነርጂ ምዃን ዘኽእላ ምንቅስቓስ ሓምለዋይ ልምዓት እናገበረት ከምዝኾነት ሚኒስትር ዲኤታ ፕላንን ልምዓትን ስዩም መኮንን ገሊፆም።
መበል 3ይ ኣዋርድ ሚድያ በዓል መዚ በይነ መንግስትታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ(ኢጋድ) ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ እንትኸውን፤ ኣብዚ መርሃ ግብሪ ሚድያ ፐልስ ኦፍ ኣፍሪካ(pulse of Africa) መሓዛ ሚድያ እዩ።
ሚኒስትር ዲኤታ ፕላንን ልምዓትን ስዩም መኮንን ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኢጋድ ኣብ ዙሪያ ምፅዋር ፅልዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ግንዛበ ምፍጣር ዘኽእል ኣዋርድ ሚድያ ስለዘዳለወ ልዑል ምስጋና ይግበኦ።
ኣዋርድ ሚድያ ኢጋድ ዞባዊ ምትሕብባር ብምጥንኻር ፅልዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምፅዋር ወሳኒ ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም።
ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ነባራዊ ኩነታት ኣፍሪካ እናቐየረ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ድርቂ፣ትፅቢት ዘይተገበረሉ ዝናብ፣ውሕጅን ልዑል ሙቐትን ኣብታ ኣህጉር ከምዘጋጥሙ ተዛሪቦም።
ኣፍሪካ ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዋላ ኳ ትሑት ኣስተዋፅኦ እንተሃለዋ ዝለዓለት ተጎዳኢት ከምዝኾነት ብምግላፅ፤ እቲ ፀገም ንምፍታሕ ሓባራዊ ፃዕሪ ይሓትት ኢሎም።
ኣብዚ መዳይ ኢትዮጵያ ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ውሽጢ 7 ዓመታት ልዕሊ 48 ቢልዮን ፈልስታት ከምዝተኸለት ኣዘኻኺሮም።
ስለዝኾነ እውን ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ ማእኸል ንፁህ ኢነርጂ ምዃን ዘኽእላ ምንቅስቓስ ሓምለዋይ ልምዓት እናገበረት ከምዝኾነት ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር ዲኤታ፤ እዚ ድማ ንጎረቤት ሃገራት ሓይሊ ብምቕራብ ዞባዊ ምትሕብባርን ምትእስሳርን ንምጥንኻር ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ኣረዲኦም።
ኣዋርድ ሚድያ ኢጋድ ንጋዜጠኛታት ኣፍልጦ ብምሃብ ዓቕሚ ሚድያ ከምዘዕቢ ብምግላፅ፤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር እዚ ዘበን ንምፅዋር ብሓባር ምስራሕ ይግባእ ኢሎም።