ኣፍሪካ ልዕልነት ሕጊ ብምሕላው ልምዓትን ዕቤታን ንምርግጋፅ ኣብ ወሳኒ ምዕራፍ እያ ትርከብ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣፍሪካ ልዕልነት ሕጊ ብምሕላው ልምዓትን ዕቤታን ንምርግጋፅ ኣብ ወሳኒ ምዕራፍ እያ ትርከብ
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 19/2018(ኢዜኣ) ኣፍሪካ ልዕልነት ሕጊ ብምሕላው ልምዓትን ዕቤታን ንምርግጋፅ ኣብ ወሳኒ ምዕራፍ ከምትርከብ ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ኣይተ ቴዎድሮስ ምህረት ገሊፆም።
መበል 4ይ ዓለም ለኸ ሲምፖዜም ሕገ መንግስታዊ ኣብያተ ፍርድን ተዛመድቲ ትካላትን ኣፍሪካ “ህንፀት ሕገ መንግስታዊነትን ሃገረ መንግስትን” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ።
ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ኣይተ ቴዎድሮስ ምህረት ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኣፍሪካ ንህንፀት ሕገ መንግስታዊነትን ሃገረ መንግስትን ዝጀመረቶ ፃዕሪ ኣጠናኺራ ክትቕፅለሉ ይግባእ።
ኣፍሪካ ኣብ ታሪኻ ኣብ ወሳኒ ምዕራፍ ከምትርከብ ብምግላፅ፤ ትካላት ምጥንኻር፣ዲሞክራሲ፣ምርግጋዕን ዕቤትን ወሰንቲ እዮም ኢሎም።
ምርግጋፅ ልዕልነት ሕግን ሰብኣዊ መሰላትን ንምጥንኻር ኩነታት ምምሕዳር ካብ ምምሕያሽ ብተወሳኺ ልምዓት እታ ኣህጉር ምቅልጣፍ መሰረታዊ ከምዝኾኑ ኣብራህሪሆም።
ላዕለዋይ ዳይና ዚምባብዌን ፕሬዚዳንት ጉባኤ ኣካላት ሕገ መንግስቲ ኣፍሪካን ሉክ ማላባ ብግደኦም፤ እታ ኣህጉር ናብ ሓዱሽ ምዕራፍ እናተሰጋገረት ከምዝኾነት ሓቢሮም።
መሰረታዊ መትከላት ሕብረት ኣፍሪካ ምሕላውን ኣፍሪካውያን ናይ ባዕሎም ኣጀንዳ ለውጢ ምምራሕ ንክኽእሉ ምግባርን ይግባእ ኢሎም።