መዓልቲ ብሄር፣ብሄረሰባትን ህዝብታትን ሓባራዊ ተረኻት ብምጉላህ ሕብረ ብሄራዊ ሓድነት እናጠናኸረ እዩ

ሰመራ/ሕዳር 19/2018 (ኢዜኣ) መዓልቲ ብሄር፣ብሄረሰባትን ህዝብታትን ሓባራዊ ተረኻት ብምጉላህ ሕብረ ብሄራዊ ሓድነት እናጠናኸረ ከምዝኾነ ምክትል ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ዘሃራ ሁመድ ገሊፀን።
መበል 20 መዓልቲ ብሄር፣ብሄረሰባትን ህዝብታትን ብብርኪ ክልል ዓፋር ኣብ ከተማ ሰመራ ሎጊያ ይኽበር ኣሎ።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ፤ ምክትል ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ዘሃራ ሁመድ፣ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ክልል ዓፋር ኣሲያ ከማል፣ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ቡዜና ኣልከድር፣ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ክልል ኦሮሚያ ሰዓዳ ኣብዱራህማንን ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ክልል ኣምሓራ ፋንቱ ተስፋዬን ተረኺቦም።





ምክትል ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ዘሃራ ሁመድ ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ መዓልቲ ብሄር፣ብሄረሰባትን ህዝብታትን ሓባራዊ ተረኻት ብምጉላህ ሕብረ ብሄራዊ ሓድነት እናጠናኸረ እዩ።
ሓባራዊ ራኢ ዘለና ህዝብታት ኮይንና መንነታትና እናኽበርና ኣብ ምትሕብባርን ምርድዳእን መሰረት ዝገበረ ሕብረ ብሄራዊ ሃገረ መንግስቲ ንምህናፅ ክንረባረብ ኣለና ክብላ እውን ሓቢረን።
ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ክልል ዓፋር ኣሲያ ከማል ብግደአን፤ እቲ መዓልቲ ሕብረ ብሄራዊ ሓድነት ብምጉላህ ምድግጋፍ ዘጠናኸረ እዩ ኢለን።
ምስ ጎረቤት ክልላት ብሓድነት እነኽብሮ መዓልቲ ብሄር፣ብሄረሰባትን ህዝብታትን፤ ሕውነትን ኣሓትነትን ንክጠናኸር እናገበረ ከምዝኾነ ብተግባር ርኢና ኢና ክብላ እውን ተዛሪበን።


 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም