ኢትዮጵያ ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዓለም ንክተተኣናግድ ምምራፃ ኣብ ልምዓት ተሓዳሲ ሓይሊ ንዘለዋ ቆራፅነት ዘረጋግፅ እዩ 

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 19/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ መበል 32 ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ውድብ ሕቡራት መንግስትታት (COP-32) ንክተተኣናግድ ምምራፃ ኣብ ልምዓት ተሓዳሲ ሓይሊ ንዘለዋ ቆራፅነት ዘረጋግፅ ከምዝኾነ ሚኒስትር ማይን ኢነርጅን ኢንጂነር ሃብታሙ ኢተፋ(ዶ/ር) ገሊፆም።
እቶም ሚኒስትር ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፤ ኢትዮጵያ ኣብ ኩሎም ኣማራፂ ተሓዳሲ ሓይሊ ዕቑር ዓቕሚ ልምዓት ከምዘለዋ ሓቢሮም።
ኣብ ህንፀት ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘይቃላዕ ኢኮኖሚ እውን ኣመራፅታት ሓይሊ ማይ፣ፀሓይ፣ንፋስ፣ ጂኦተርማልን ካልኦትን ወሳኒ እጃም እናበርከቱ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።
ዓወት ተሓዳሲ ሓይሊ ኢትዮጵያ እውን ልቀት ካርቦንን ስግኣት ለውጢ ከባብያዊ ኣየርን ብምቕናስ ዓለም ለኸ ኣፍልጦ እናተረኸበሉ እዩ ኢሎም።
ህንፀት ልምዓት ተሓዳሲ ሓይሊ እውን ዓለም ለኸ ተወዳዳሪነት ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ኣብ ምዕባይ ወሳኒ እጃም እናበርከተ ከምዝርከብ ኣረዲኦም።
ኣብ ብራዚል ኣብ ዝተኻየደ መድረኽ ኮፕ-30 ኢትዮጵያ ጉባኤ ኮፕ-32 ንክተተኣናግድ እንትትምረፅ ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘይቃላዕ ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ኣብ ምህናፅ ዘመዝገበቶ ዓወት ሓደ ምኽንያት ከምዝኾነ ፀሪሖም።



ኢትዮጵያ ጉባኤ ኮፕ-32 ንክተተኣናግድ ምምራፃ ኣብ ኣማራፂ ተሓዳሲ ሓይሊ፣ሓምለዋይ ኣሰርን ልምዓት ተሓዳሲ ሓይልን ንዘመዝገበቶ ዓወት ኣፍልጦ ዝህብ እዩ ኢሎም።
ኣብ ብራዚል ኣብ ዝተኻየደ መበል 30 ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ውድብ ሕቡራት መንግስትታት(ኮፕ 30) ድሕሪ ክልተ ዓመት ንዝካየድ መበል 32 ጉባኤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ውሕመ(ኮፕ 32) ኢትዮጵያ ንክተተኣናግድ ምምራፃ ዝዝከር እዩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም