ኢትዮጵያ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2028 ዝካየድ መበል 96 ዓመታዊ ሓፈሻዊ ጉባኤ ዓለም ለኸ ኢንተርፖል ትካል ፖሊስ ንክተተኣናግድ ተመሪፃ

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 18/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ 2028 ዝካየድ መበል 96 ዓመታዊ ሓፈሻዊ ጉባኤ ዓለም ለኸ ኢንተርፖል ትካል ፖሊስ ንክተተኣናግድ ብሙሉእ ድምፂ ተመሪፃ።
ኣብ ሞሮኮ ከተማ ማራካሻ ክካየድ ኣብ ዝፀንሐ መበል 93 ዓመታዊ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኢንትርፖል ኢትዮጵያ እቲ ጉባኤ ንክተተኣናግድ ምምራፃ ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ንኢዜኣ ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።



ቅድሚ 3 ወርሒ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2025 ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ከተማ ኬፕታውን ኣብ ዝተኻየደ መበል 26 ሪጅናል ኮንፈረንስ ኢንተርፖል ኣፍሪካ ኢትዮጵያ ኣብ 2027 ዝካየድ መበል 27 ሪጅናል ኮንፈረንስ ኢንተርፖል ኣፍሪካ ንክተተኣናግድ ምምራፃ ዝዝከር እዩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም