ኮፕ 32 ኢትዮጵያ ንዓለም ንምርኣይ ገዚፍ መድረኽ እዩ - ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ (ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ኮፕ 32 ኢትዮጵያ ንዓለም ንምርኣይ ገዚፍ መድረኽ እዩ - ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ ሕዳር/18/2018 (ኢዜኣ) መበል 32 ጉባኤ ክሌማዊ ለውጢ ሕቡራት መንግስትታት(ኮፕ32) ሃፍቲ ቱሪዝም ኢትዮጵያ ንዓለም ንምርኣይ ገዚፍ መድረኽ እዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ብመሰረት ማዕቐፍ ኮንቬንሽን ክሊማዊ ለውጢ ሕቡራት መንግትስታት ኣሰናዳኢት ኮፕ 32 ሃገር ኮይና ምሕራያ ይዝከር።
ብሄራዊ ኣተሓባባሪ ኮሚቴ ኮፕ 32 ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ ሎሚ ቁልፊ ተግባራት ምድላው ንምውዳድ ዘኽእል ኣኼባ ኣሳሊጡ።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዚ እዋን፤ ኮፕ 32 ኢትዮጵያ ንዓለም ንምርኣይ ገዚፍ መድረኽ እዩ ኢሎም።
ኣብ ሰለስተ ዓመትን ፈረቓን ቀዳማይ ዕላማ ጉዕዞና ህንፀት ሃገር እዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ኣብዚ እዋን ኢትዮጵያ መሰረታዊ ንዝኾኑ ዛዕባታት ብቕዕቲ ከምዝኾነት ዘተኣማምን ኩነታት የድልያ ክብሉ ገሊፆም።
ኣብ ከይዲ ህንፀት ሃገር ዝተጣየሹ ብዙሓት ስራሕቲ መሰረተ ልምዓት ትፅቢት ከምዝግበር ብምሕባር፤ እዚ ስራሕ ዕዉት ከምዝኸውን ዘለዎም እምነት ሓቢሮም።
ህንፀት ፅባቐ ሃገር ካልኣይ ቀንዲ ዕላማ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ኢትዮጵያ ፅብቕቲ ሃገር እያ ካብ ምባል ብዝዘለለ ጥንታዊትን ብዙሕ ዝረኣይ ባህልን ታሪኽን ዘለዋ ሃገር ስለዝኾነት ብመንፅር ቱሪዝም ዘለዋ ሃፍቲ ንዓለም ንምርኣይ ልዑል መድረኽ ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ብመሰረት እዚ ፅባቐ ኢትዮጵያ ንዓለም ንምርኣይ ዘኽእል ስራሕ እንሰርሐሉ እዋን እዩ ኢሎም።
ሃገር ብምህናፅ ፅባቐ ኢትዮጵያ ንዓለም ካብ ምግላፅ ብተወሳኺ ዘተኣኻኽቡና ጉባኤታት ዕዉታት ክኾኑ ይግባእ ክብሉ እውን ኣገንዚቦም።