መንግሥቲ ንዓውዲ ቱሪዝምን ሃፍቲ እንሰሳትን ዝሃቦ ትኹረት ንሓለዋ እንሰሳት ዘገዳም ምችው ኩነታት ፈጢሩ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
መንግሥቲ ንዓውዲ ቱሪዝምን ሃፍቲ እንሰሳትን ዝሃቦ ትኹረት ንሓለዋ እንሰሳት ዘገዳም ምችው ኩነታት ፈጢሩ እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 18/2018(ኢዜኣ) መንግሥቲ ንዓውዲ ቱሪዝምን ሃፍቲ እንሰሳትን ዝሃቦ ትኹረት ንሓለዋ እንሰሳት ዘገዳምን እቲ በዓል መዚ ንዘሳልጦ ስራሕን ምችው ኩነታት ከምዝፈጠረ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሓለዋ እንሰሳት ዘገዳም ኢትዮጵያ ኩመራ ዋቅጅራ ገሊፆም።
ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሓለዋ እንሰሳት ዘገዳም ኢትዮጵያ ኩመራ ዋቅጅራ ትማሊ ኣብ ለንደን ኣብ ዝተኻየደ ኣብ ኣፍሪካ ኣብ ሓለዋ ብዝሃ ሂወት ዝወሃብ ሽልማት ፕሪንስ ዊሊያም 2025 ኣሸናፊ ኮይኖም።
ኣይተ ኩመራ ዋቅጅራ፤ ኣብ ሓለዋ እንሰሳት ዘገዳም ካብ በዓል ሞያ ክሳብ ዋና ዳይሬክተርነት ልዕሊ 30 ዓመት ዘገልገሉ እንትኸውን ኣብቲ ዓውዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ መፅናዕትን ምርምርን ከምኡ እውን ስራሕቲ ምምሕዳር ብዘበርከትዎዎ ልዑል ኣስተዋፅኦ እቲ ሽልማት ንከሸንፉ ኣኽኢልዎም እዩ።
ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሓለዋ እንሰሳት ዘገዳም ኢትዮጵያ ኩመራ ዋቅጅራ ከምዝበልዎ፤ እቲ በዓል መዚ እንሰሳት ዘገዳምን መንበሪ ከባቢኦምን ብኣግባቡ ተሓልዩን ለሚዑን ብዘላቕነት ኣብ ረብሓ ንምውዓል እናሰርሐ እዩ ዝርከብ።
እቶም ስራሕቲ ሓለዋ ምስ ክልላት፣እቲ ማሕበረሰብን ዝምልከቶም ኣካላትን ብምትሕብባር ካብ ምስራሕ ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ እንሰሳት ዝፍፀሙ ገበናት ንምክልኻል ምስ ሃገራት ብምትሕብባር ከምዝስራሕ ተዛሪቦም።
ካብ ቀረባ እዋን ናብዚ መንግሥቲ ንዓውዲ ቱሪዝምን ሃፍቲ እንሰሳትን ዝሃቦ ትኹረት ንሓለዋ እንሰሳት ዘገዳምን እቲ በዓል መዚ ንዘሳልጦ ስራሕን ምችው ኩነታት ከምዝፈጠረ እውን ኣረዲኦም።
እቲ ዝረኸብዎ ሽልማት እውን ነቲ ዓውዲ ዝተውሃበ ትኹረት ዓለም ለኸ ትኹረት ንክረክብ ከምዘኽኣለ መርኣያ እዩ ኢሎም።