ፈላማይ ኮንፈረንስ ዲጂታል ግብርና ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 18/2018(ኢዜኣ) ሕብረት ኣፍሪካ ዘዳለዎ ፈላማይ ኮንፈረንስ ዲጂታል ግብርና ኣብ ዋና መቐመጢ እቲ ሕብረት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ካብ 22 ክሳብ 24 ሕዳር 2018 ዓ/ም ክካየድ እዩ።
“ኢኖቬሽንን ዲጂታል መፍትሕታትን ጠንካራ፣ሓምለዋይን ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈን ህንፀት ዘፈር ግብርና ብምጥቃም መፃኢ ግዜ ኣፍሪካ ብሩህ ምግባር”መሪሕ ሓሳብ እቲ ኮንፈረንስ እዩ።
ኣብቲ ኮንፈረንስ፤ ላዕለዎት ሰብ መዚን መውፃእቲ ፖሊሲን ሃገራት ኣፍሪካ፣ተመራመርቲ ግብርናን ሳይንቲስትታትን፣ሰብ ሞያ ቴክኖሎጂ፣ሓረስቶትን ትካላት ሓረስቶትን፣ትካላት ምርምር፣ሰብ ሃፍቲ፣መሓዙት ልምዓትን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ክሳተፉ እዮም።



መፍረያይነት ግብርና ምዕባይ፣ኣገልግሎት ኤክስቴሽን ዲጂታል ግብርና፣ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን ግብርና፣ ተበፃሕነት ዕዳጋ፣ሰንሰለት እሴት ምጥንኻር፣መፍረያይነት ግብርና ምስ ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘይቃላዕ ዓቕሚ ምህናፅ ዘተኣሳሰረ ኣካይዳ ምኽታል፣ትግበራ ፖሊሲታትን ማዕቐፋት ሕግን ግብርና ተሳተፍቲ እቲ ኮንፈረንስ ዝዝትዩሎም ቁልፊ ኣጀንዳታት ከምዝኾኑ ኢዜኣ ካብ ሕብረት ኣፍሪካ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመላኽት።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም