እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ መበል 4ይ ስሩዕ ኣኼብኡ ንክፍፅሞም ዘቐመጦም ስራሕቲ ኣፈፃፅመኦም ብዕምቆት ብምግምጋም ኣንፈት ኣቐሚጡ እዩ-ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 18 /2018 (ኢዜኣ) ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ኣብ መበል 4ይ ስሩዕ ኣኼብኡ ንክፍፀሙ ዘቐመጦም ስራሕቲ ብዕምቆት ብምግምግጋም ኣንፈት ከምዘቐመጠ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን መበል 5ይ ስሩዕ ኣኼብኡ ከምዘካየደ ኣፍሊጦም።



እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ መበል 4ይ ስሩዕ ኣኼብኡ ንክፍፀሙ ዘቐመጦም ስራሕቲ ኣፈፃፅመኦም ብዕምቆት ብምግምጋም ኣንፈት ከምዘቐመጠ እውን ሓቢሮም።
እቲ ቤት ምኽሪ ሓፈሻዊ ኣፈፃፅማ ስራሕ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን፣ከይዲ ምዝገባ ዲጂታል መለለዪ መንነት ከምኡ እውን ኣፈፃፅማ ትግበራ ብምግምጋም ኣብ ቀፃሊ ተጠናኺሩ ንክቕፅል ኣብ ስምምዕ ከምዝተበፅሐ ኣረዲኦም።
ብተወሳኺ እውን ኣብ ሃገርና ኣብ ምስላጥ ዝርከቡ ከምኡ እውን ሓደሽቲ ስራሕቲ ዲጂታል ምስ ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ ዘለዎም ምጥዕዓም ኣብ ዘተና ዳህሲስና ኢሎም።
ኣብ መወዳእታ እውን እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ረቂቕ ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2030 ዕሙቕ ዘተ ድሕሪ ምግባሩ እቲ ሰነድ ስትራቴጂ ብምፅዳቕ ናብ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ንክለኣኽ ከምዝወሰነ ገሊፆም።
ህንፀት ዲጂታል ኢኮኖሚና ብፀብለልታ ኣብ ዝዓብየሉ ዘበን ከምዘሎ ብምግላፅ፤ እቲ ቤት ምኽሪ እውን ነዚ ዕቤት ግቡእ እጃም ንምውፃእ ዝጀመሮ ፃዕሪ ኣጠናኺሩ ክቕፅለሉ እዩ ክብሉ ሓቢሮም። 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም