ኢትዮጵያ ኣብ ዘላቒ ልምዓት ሃፍቲ እንሰሳት መርኣያ ዝኸውን ውፅኢት እናመዝገበት እያ-ትካል ጥዕና እንሰሳት ዓለም

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 17/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ንለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘይቃላዕ ዘላቒ ልምዓት ሃፍቲ እንሰሳት ኣብ ምህናፅ መርኣያ ዝኸውን ውፅኢት እናመዝገበት ከምትርከብ ምክትል ዋና ዳይሬክተር ትካል ጥዕና እንሰሳት ዓለም ባባ ሱማሬ ገሊፆም።
እቶም ምክትል ዋና ዳይሬክተር ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ኣብ ዘላቒ ልምዓት ሃፍቲ እንሰሳት ዝተባባዕ ውፅኢት እናመዝገበት እያ።
ኣብ ሓለዋን መፍረያይነትን ሃፍቲ እንሰሳት ተግባራዊ ዝተገበሩ ስርዓታት ኣሰራርሓ ውፅኢታውነት እቲ ዓውዲ ኣብ ምምሕያሽ ዝረአ ለውጢ ከምዝተረኸበሎም ሓቢሮም።
ኢትዮጵያ ኣብ ዶብ ተሳጋሪ ምንቅስቓስን ልምዓትን እንሰሳት ብምትሕብባር ንምስራሕ ዘለዋ ቆራፅነት ዝነኣድ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም። 
ኢትዮጵያ ኣብ ልምዓት ሃፍቲ እንሰሳት ዝወሰደቶም መመሓየሽታት ፖሊሲ ንካልኦት ሃገራት መርኣያ ዝኾኑ እዮም ኢሎም።
ትካል ጥዕና እንሰሳት ዓለም ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ኣብ ሃፍቲ እንሰሳተ ዘሕድሮ ፅልዋ ንምቕናስ ደገፍን ክትትልን እናገበረ ከምዝርከብ እውን ኣረዲኦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም