ቫይረስ ማርበርግ ኣብ ውሽጢ ሓፂር እዋን ምክልኻልን ምቁፅፃርን ዘኽእሉ ስራሕቲ እናተሳለጡ እዮም - ኢዜአ ትግርኛ
ቫይረስ ማርበርግ ኣብ ውሽጢ ሓፂር እዋን ምክልኻልን ምቁፅፃርን ዘኽእሉ ስራሕቲ እናተሳለጡ እዮም
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 17/2018(ኢዜኣ) ቫይረስ ማርበርግ ኣብ ውሽጢ ሓፂር እዋን ምክልኻልን ምቁፅፃርን ዘኽእሉ ስራሕቲ እናተሳለጡ ከምዝኾኑ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባ ገሊፀን።
እዋናዊ ኩነታት ቫይረስ ማርበርግን ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ምክልኻልን ብዝምልከት ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባን ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ዶክተር መሳይ ሃይሉን መግለፂ ሂቦም።
ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባ ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ ቫይረስ ማርበርግ ካብ ዘጋጥም ጀሚሩ ስራሕቲ ክትትል ተጠናኺሮም እናቐፀሉ እዮም።
እቲ ቫይረስ ኣብ ሓፂር እዋን ምቁፅፃር ዘኽእሉ ስራሕቲ ምፍላይን ኣተሓላልዋ ጥዕና ሕብረተሰብን እናተሳለጡ ከምዝኾኑ እውን ተዛሪበን።
ብሰብ ሞያ ዝተወደበ ጉጅለ ወሃቢ ምላሽ ግንዛበ እቲ ሕብረተሰብ ዘዕብዩ ስራሕቲ እናሳለጠ ከምዝኾነ ሓቢረን።
ክሳብ ሎሚ ንጉሆ ኣብ ዘሎ ን73 ሰባት ምርመራ ብምግባር 11 ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተትሓዙ ምርግጋፁን ሂወት 6 ሰባት ምሕላፉን ገሊፀን።
ምስ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ንኽክእ ዝነበሮም 349 ሰባት ተፈልዮም ክትትል እናተገበረሎም ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ 119 ሰባት እዋን ክትትሎም ወዲኦም ካብቲ መፅንሒ ምውፅኦም ኣረዲአን።
ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ዶክተር መሳይ ሃይሉ ብግደኦም፤ ስራሕቲ ምክልኻል፣ትዕዝብቲ፣ምላሽን ምዕባይ ግንዛበ ሕብረተሰብን ተጠናኺሮም ከምዝቐፀሉ ተዛሪቦም።
ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ዑደት ገዛ ንገዛ እናተኻየደ ከምዝኾነን ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር እናተሰርሐ ምዃኑን ገሊፆም።