ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ(ዶ/ር) ተወካሊ ፕሬዚዳንት ኮፕ 32 ኮይኖም - ኢዜአ ትግርኛ
ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ(ዶ/ር) ተወካሊ ፕሬዚዳንት ኮፕ 32 ኮይኖም
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 17/2018(ኢዜኣ) መንግሥቲ ንሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ(ዶ/ር) ተወካሊ ፕሬዚዳንት ኮፕ 32 ገይሩ መዲብዎም።
ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ከምዝገለፆ፤ ብመሰረት ማዕቐፍ ኮንቬንሽን ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ውድብ ሕቡራት መንግስትታት ኢትዮጵያ ኣዳላዊት ኮፕ 32 ምዃና ስዒቡ መንግሥቲ ኢትዮጵያ ንሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ(ዶ/ር) ተወካሊ ፕሬዚዳንት ገይሩ ምምዳቡ እንትገልፅ ታሕጓስ ይስምዖ።
ዶክተር ጌዲዮን ምስ ሓለፍቲ ስራሕ ውሽጢ ሃገር፣ ኣካላት ውድብ ሕቡራት መንግስትታትን ዓለም ለኸ መሓዙትን ብምትሕብባር ምድላው ኮፕ 32 ከምዝመርሑ እውን ኣፍሊጡ።
መንግሥቲ ኢትዮጵያ ሃገራት ኣባል ኮንቬንሽን ማዕቐፍ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ውድብ ሕቡራት መንግስትታት ንኢትዮጵያ ናይ ምድላው ሓላፍነት ብምሃበን ምስጋና ብምቕራብ፤ ብኣተሓባባሪነት ዶክተር ጌዲዮን ጢሞቴዎስ ምስ ማሕበረሰብ ሓለዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዓለም ብቐረባ ንምስራሕ ድሉው ምዃኑ ይገልፅ ክብል ሓቢሩ።