ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዜጋታት በዓል ዋና መንበሪ ኣባይቲ ንምግባር ጠመተ ሂቡ ይሰርሕ ኣሎ

ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ፀገም  ቀረብ ኣባይቲ ንምፍታሕ ብመንግስቲ፣ ወለንታውያንን ውልቀ ሃነፅትን ብዙሓት ኣባይቲ ብምህናፅ ንዜጋታት ብፍትሓዊነት ተረባሕቲ ከምዝገበረ ኣብሪሁ።
ብመሰረት እዚ ብዝተፈላለዩ ኣማራፅታት ኣባይቲ ብምህናፅ፣ቀረብ መንበሪ ኣባይቲ ብምምሕያሽ ዝነኣድ ውፅኢት ከምዝተረኸቡ ሓቢሩ።



እቲ ምምሕዳር ምስ ውልቀ ሰብ ሃፍቲ ተዋዲዱ ብምስራሕ ካብ እዋን ናብ እዋን እናወሰኸ ዝመፅአ ባህጊ ኣባይቲ ንምምላእን ተበፃሒ ንምግባርን ኩለ መዳያዊ ስራሕቲ ይስራሕ ኣሎ ኢሉ።
ክሳብ ሐዚ ብመርሃ ግብሪ ዝተሳለጡ፤ 
ብፕሮግራም ኮንደሚኒየም-139008 ኣባይቲ

ንዓቕሚ ዘይብሎምን ሰብ ውዕለታ ሃገርን- 40576 ኣባይቲ፣ 

ብምምሕዳር እታ ከተማ ዝተሃነፁ ናይ ክራይ ኣባይቲ- 24819

ብሪል ስቴት፣ ማሕበርን ውልቀ ሃነፅትን 175605 ኣባይቲ 
ብድምሩ  380 ሽሕ ኣባይቲ ንተረባሕቲ ከምዝተውሃቡ ዝገለፀ ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ፤ ኣብ ቀፃሊ እውን ዝተፈላለዩ ኣማራፅታት ብምጥቃም ሕቶ መንበሪ ኣባይቲ ዜጋታት ንምምላስ ጠመተ ተገይሩ ከምዝስራሕ ኣመልኪቱ።


 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም