ኣብ ዝሓለፉ 4 ኣዋርሕ ልዕሊ 221 ሽሕ ዜጋታት ኣብ ወፃኢ ሃገራት ዕድል ስራሕ ተፈጢርሎም እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ዝሓለፉ 4 ኣዋርሕ ልዕሊ 221 ሽሕ ዜጋታት ኣብ ወፃኢ ሃገራት ዕድል ስራሕ ተፈጢርሎም እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 16/2018 (ኢዜኣ) ኣብ ዝሓለፉ 4 ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2018 ልዕሊ 221 ሽሕ ዜጋታት ኣብ ወፃኢ ሃገራት ዕድል ስራሕ ከምዝተፈጠረሎም ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ኣፍሊጡ።
ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ሶሎሞን ሶካ ንኢዜኣ ከምዝበልዎ፤ ጉዕዞ ብልፅግና ኢትዮጵያ ዘሳልጡ ኩለ መዳያዊ ስራሕቲ ልምዓት እናተሳለጡ እዮም።
ምህዳር ስራሕን ፈጠራን ንምስፋሕ እውን ፖሊሲ፣ኣዋጅን ስርዓት ኣሰራርሓን ብምዝርጋሕ ፍልጠትን ክእለትን ዝወነነ ተወዳዳርን ብቕዓት ዘለዎን ሓይሊ ሰብ ናይ ምፍራይ ስራሕ እናተሳለጠ እዩ ዝርከብ ኢሎም።
ስለዝኾነ እውን ኣብ ዝሓለፉ 4 ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2018 ን1 ነጥቢ 3 ሚልዮን ዜጋታት ዕድል ስራሕ ውሽጢ ሃገር ንምፍጣር ተተሊሙ ልዕሊ 988 ሽሕ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ከምዝተፈጠረሎም ኣረዲኦም።
ስምምዕ ወፍሪ ስራሕ ኣብ ዝተገበረለን ሃገራት ወፃኢ እውን 221 ሽሕን 641 ዜጋታት ዕድል ስራሕ ወፃኢ ሃገራት ከምዝረኸቡ ተዛሪቦም።