እቲ ውድድር መናእሰይ ሰብ ሞያ ፈጠራ ምፍራይን ፍትሓዊ ተረባሕነት ምርግጋፅን ዘኽእል እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
እቲ ውድድር መናእሰይ ሰብ ሞያ ፈጠራ ምፍራይን ፍትሓዊ ተረባሕነት ምርግጋፅን ዘኽእል እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 16/2018 (ኢዜኣ) ሃገራዊ ውድድር ሓሳባት ፈጠራ መናእሰይ ሰብ ሞያ ፈጠራ ምፍራይን ፍትሓዊ ተረባሕነት ምርግጋፅን ዘኽእል ከምዝኾነ ሚኒስትር ዲኤታ ስራሕን ክእለትን ሰለሞን ሶካ ገሊፆም።
"ምስልጣን፣ምሽላም፣ምብቃዕ"ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ 6ይ ዙር ሃገር ለኸ ውድድር ስልጠና ፈጠራ ቢዝነስ ብሩህ ኢትዮጵያ 2018 ዓ.ም ኣብ ቢሾፍቱ ተጀሚሩ።
ሚኒስትር ዲኤታ ስራሕን ክእለትን ሰለሞን ሶካ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ብምኽንያት ተለዋዋጢ ነባራዊ ኩነታት ዓለም ቴክኖሎጂታት ብቕልጡፍ ይቀያየሩ እዮም።
ነዚ ድማ መንግሥቲ ፈጠራን ቴክኖሎጅን ቁልፊ እጃም ከምዘለዎም ብምርዳእ ንፈጠራን ኢንተርፕረነርሽፕን ትኹረት ከምዝሃበ ሓቢሮም።
ዓቕሚ ፈጠራ መናእሰይ ንምጥንኻርን ውፅኢት ፈጠርኦም ንምምዕባልን ኣብ ዝሓለፉ 5 ዓመታት ውድድር ሓሳብ ፈጠራ ምድላዉ ኣረዲኦም።
ኣብ ዝሓለፉ 5 ዙራት ውድድር ሓሳባት ፈጠራ ብሩህ ኢትዮጵያ ልዕሊ 12 ሽሕን 500 ሓሳባት ንውድድር ምቕራቦም ተዛሪቦም።
ኣብቶም ውድድራት ዝሓሸ ዓቕሚ ፈጠራ ዘርኣዩ ልዕሊ 1 ሽሕን 300 ሓሳባት ዝተሸለሙ እንትኸውን፤ እቶም 580 ድማ ናብ ስታርትኣፕ ብምስግጋር ልዕሊ 30 ሽሕ ዕድል ስራሕ ከምዝፈጠሩ ኣረዲኦም።
ሃገር ለኸ ውድድር ሓሳብ ፈጠራ መናእሰይ ሰብ ሞያ ፈጠራ ምፍራይን ፍትሓዊ ተረባሕነት ምርግጋፅን ዘኽእል ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።
ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ልምዓት ኢንተርፕሪነርሽፕ ሓሰን ሁሴን (ዶ/ር) ብግደኦም፤ ተወዳዳርቲ ሓሳብ ፈጠራ ካብ ወረዳ ጀሚሩ ዝሓሸ ሓሳብ ፈጠራ ኣቕሪቦምን ኣሸኒፎምን ዝመፁ እዮም ኢሎም።
እቲ ኢንስቲትዩት፤ መናእሰይ ሓሳብ ፈጠርኦም ዘጠናኽሩ ስልጠና ምሃቡ ኣጠናኺሩ ክቕፅለሉ እዩ ኢሎም።