ጉባኤ መራሕቲ ጉጅለ 20 ኩለ መዳያዊ ስራሕቲ ኢትዮጵያ ንዓለም ንምልላይ ሰናይ ኣጋጣሚ ፈጢሩ እዩ-ሚኒስትር ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ጉባኤ መራሕቲ ጉጅለ 20 ኩለ መዳያዊ ስራሕቲ ኢትዮጵያ ንዓለም ንምልላይ ሰናይ ኣጋጣሚ ፈጢሩ እዩ-ሚኒስትር ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 15/2018 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ኣብ ጉባኤ መራሕቲ ጉጅለ 20 ምስታፋ ተሳልጦም ዘላ ኩለ መዳያዊ ስራሕቲ ንማሕበረሰብ ዓለም ንምልላይ ምችው ኩነታት ከምዝፈጠረላ ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር) ገሊፀን።
ጉባኤ መራሕቲ ሃገራት ኣባል ጉጅለ 20 ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ከተማ ጆሃንስበርግ ተኻይዱ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) እውን ኣብቲ ጉባኤ ተሳቲፎም እዮም።
ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር) ነዚ ኣመልኪተን ኣብ ዝሃብኦ መብራህርሂ ከምዝበልኦ፤ ኢትዮጵያ ኣብ ጉባኤ መራሕቲ ጉጅለ 20 ዝተዓደመት ክረኣዩ ዝግበኦም ረቛሕታት ስለዘማልአት እያ፤ ካብተን ዝተዓደማ ሃገራት እውን ቀዳምነት ካብ ዝወሃበን እታ ሓንቲ እያ።
ብመሰረት እዚ እውን ብመጠን ኢኮኖሚ፣ነቲ ዞባ ኢሉ እውን ንኣፍሪካ ብዘለዋ እጃም ከምኡ እውን ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ለውጢ መሰረት ብምግባር ኣብቲ ጉባኤ ተሳቲፋ እያ ኢለን።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፤ እቲ መድረኽ ድምፂ ሃገራት ኣፍሪካ ንክስመዐሉ ምግባር ዘኽእል ሓሳብ ምግላፆም ሓቢረን።
ምምሕዳር ዓለም፣ምምሕዳር ኢኮኖምን ፋይናንስን ከምኡ እውን ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ብዝምልከት እንታይ ክኸውን ኣለዎ ኣብ ዝብል እውን ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘበርከቱ ገሊፀን።
እቲ መድረኽ፤ ኢትዮጵያ ተሳልጦም ዘላ ኩለ መዳያዊ ስራሕቲ ንምልላይ ሰናይ ኣጋጣሚ ከምዝኾነ እውን ኣረዲአን።
ኢትዮጵያ ካብ ቀረባ እዋን ናብዚ ተርእዮ ዘላ ዕቤት፣ ብዘለዋ ስፍሓት መሬት፣በዝሒ ህዝቢ ብሓፈሻ ብኣንፃር ዘላቶ ለውጢ ሱቕ ክትበሃል ኣይግባእን ምባሎም ተዛሪበን።
ጎና ጎኒ እቲ ጉባኤ እውን ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ምዝታዮም ብምግላፅ፤ እቶም ዘተታት ተደላይነት ኢትዮጵያ ብዝለዓለ ብርኪ ከምዝወሰኸ ከምዘርእዩ ሓቢረን።
ብሓፈሻ ንኢትዮጵያ ዓብይ ትርጉም ዘለዎ ጉባኤ ከምዝነበረ ዝገለፃ እተን ሚኒስትር፤ ጉባኤ መራሕቲ ጉጅለ 20 ኣብ ኣፍሪካ እንትካየድ እዚ ንፈለማ እዋን ከምዝኾነ እውን ኣብራህሪሀን።