ዲጂታል ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ኩለ መዳያዊ ጉዕዞ ኢኮኖሚ ዕዉት ንክኸውን ምችው ኩነታት ፈጢሩ እዩ

ድሬደዋ/ሕዳር 15/2018(ኢዜኣ) ዲጂታል ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ቅልጡፍ ኣገልግሎት ብምሃብ ኩለ መዳያዊ ጉዕዞ ኢኮኖሚ ዕዉት ንክኸውን ወሳኒ እጃም እናበርከተ ከምዝኾነ ኮሚሽነር ኮሚሽን ሲቪል ሰርቪስ ፌዴራል መኩሪያ ሃይሌ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ኮሚሽነር መኩሪያ ሃይሌ (ዶ/ር) ሎሚ መዓልቲ ምንቅስቓስ ስራሕ ዲጂታል ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ድሬ ተዓዚቦም።



እቶም ኮሚሽነር ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ዲጂታል ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ቅልጡፍ ኣገልግሎታት ተበፃሒ ብምግባር ፀገማት ሰናይ ምምሕዳር እናፈትሐ እዩ ዝርከብ።
ከም ሃገር ንዝተጀመሩ ኩለ መዳያዊ ጉዕዞ ኢኮኖሚ ዕዉት ንክኾኑ ምችው ኩነታት ከምዝፈጠረ እውን ተዛሪቦም።
ኣብ ድሬዳዋ ዝተጀመረ ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ሓደ መርኣያ እዚ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ እቲ ዝተጀመረ ስራሕ ንምዕባይ መንግሥቲ ፌዴራል ኣድላይ ክትትልን ደገፍን ክገብር እዩ ኢሎም።
ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ብሰፊሑን ፅሬትን ኣብ መላእ እታ ሃገር ተበፃሒ ናይ ምግባር ስራሕ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረጋጊፆም።


 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም