ውህብቶ ኩዕሶ እግሪ ሰገናት ኣብ ውሽጢ ሓፂር እዋን ኣሸናፊ ብሄራዊ ጉጅለ ንምህናፅ ተስፋ ዝህብ እዩ

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 15/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ኣብ ፕሮጀክት ኩዕሶ እግሪ ሰገናት ዝጀመረቶ ፃዕርን ዓቕሚ ውህብቶ ሰገናትን ኣብ ውሽጢ ሓፂር እዋን ጠንካራ ተወዳዳሪ ብሄራዊ ጉጅለ ምህናፅ ከምትኽእል ተስፋ ዝህብ ከምዝኾነ ኣሰልጣኒ ብሄራዊ ጉጅለ ትሕቲ 17 ዓመት ኢትዮጵያ ቤንጃሚን ዚመር ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኢትዮጵያ ፅዋዕ ኣፍሪካ 2029 ንክተተኣናግድ ብዕሊ ሕቶ ምቕራቦም ዝፍለጥ እዩ።
ኣሰልጣኒ ብሄራዊ ጉጅለ ትሕቲ 17 ዓመት ኢትዮጵያ ቤንጃሚን ዚመር ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፤ ኣብ ኢትዮጵያ ዓሚቕ ክእለት ዘለዎም ተፃወትቲ መናእሰይ ከምዘለዉ ኣረዲኦም።
ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኣብ ፅዋዕ ኣፍሪካ 2029 ተወዳዳርን ኣሸናፍን ብሄራዊ ጉጅለ ንምፍጣር ዘቐመጦ ሽቶ ተስፋ ዝህብ እዩ ኢሎም።
ንኣባላት ብሄራዊ ጉጅለ ኩዕሶ እግሪ ትሕቲ 17 ዓመት ኢትዮጵያ እውን”ዘይተቖረፀ ኣልማዝ”ክብሉ ንዘለዎም ዓሚቕ ዓቕሚ ንኢዶም።
መንግሥቲ ንዕቤት ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ዝወስዶም ስጉምትታት ምጥንኻር ከምዝግባእ ብምግላፅ፤ ኣብ ትሕቲ 15፣17፣20 ዓመት ክሊ ዕድመ ዘለዉ ሰገናት ናይ ምብቃዕ ስራሕ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም