መልእኽቲ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር - ኢዜአ ትግርኛ
መልእኽቲ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንቀዳማይ ሚኒስትር ሲንጋፖር ላውረንስ ዎንግ ኣብ ብሄራዊ ቤተ መንግስቲ ዕላዊ ስነ ስርዓት ኣቀባብላ ገይረምሎም።
እቲ ስነ ስርዓት ኣቀባብላ፤ ምሕዝነት ዘመላኽት መርሃ ግብሪ ተኸላ ተኽሊ፣ዑደት ታሪኻዊ ሓድግታት ብሄራዊ ሙዜምን ቀፅሩን፣ክልቲኣዊ ዘተታት ከምኡ እውን ፊርማ ስምምዕ መረዳድኢ ልምዓት ክእለትን ልቓሕ ካርበንን ዘቐደመ ሓባራዊ ጋዜጣዊ መግለፂ ዘካተተ እዩ ኔሩ።
ዑደት ቀዳማይ ሚኒስትር ዋንግ ኣብ ወርሒ ሰነ 2017 ክቡር ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ሲንጋፖር ዝገበርዎ ዑደት ስዒቡ ዝተሳለጠ እንትኸውን ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት እናዓበየ ንዝመፀ ርክብ ዘርኢ እዩ።
ክልቲኦም መራሕቲ ኣብቲ ዑደት፤ ምትሕብባር ኢኮኖሚ ንምዕባይ፣ትካላዊ መስተጋብር ንምጥንኻርን ሓባራዊ ዝንታዎታት ክብ ኣቢልካ ንምስላጥን መንገድታት ዳህሲሶምሉ።
ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር