ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ሪፐብሊክ ሲንጋፖር ላውረንስ ዎንግ ዘትዮም - ኢዜአ ትግርኛ
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ሪፐብሊክ ሲንጋፖር ላውረንስ ዎንግ ዘትዮም
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 15/2018 (ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ሪፐብሊክ ሲንጋፖር ላውረንስ ዎንግ ዘትዮም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ማሕበራዊ ምትእስስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ንቀዳማይ ሚኒስትር ሪፐብሊክ ሲንጋፖር ላውረንስ ዎንግ ብክብሪ ምቕባሎም ሓቢሮም።
እቲ ክልቲኣዊ ዘተ፤ ኣብ ምንጎ እተን ሃገራት ዘሎ ርክብ ንሓባራዊ ፅባሕና ወሰንቲ ኣብ ዝኾኑ ዓውድታት ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ንገብሮ ፃዕሪ ሓደ ጠቓሚ ስጉምቲ እዩ ኢሎም።
ብፍላይ ድማ ኣብ ልምዓት ክእለትን ምትሕብባር ልቓሕ ካርበንን ዝገበርናዮም ስምምዓት መረዳድኢ ፅኑዕን ንናይ ፅባሕ ዕዳጋ ድሉዋት ዝኾኑን ሰራሕተኛታት ንምፍራይ ከምኡ እውን ኣብ ሓለዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘላቒ፣ትሑት ካርበን ዘውፅእ ዕቤት ንምርግጋፅ ዘለና ሓባራዊ ቅዋም ዘንፀባርቕ እዩ ክብሉ ገሊፆም።
ምስ ሲንጋፖር ጋር እዚ ጉዕዞ ምትሕብባርን ምሕዝነትን ብሓባር ብምቕፃልና እውን ክብሪ ይስመዐና ኢሎም።
ብዝለዓለ ተግባራዊ ምትሕብባር ንግድን ኢንቨስትመንትን ኣብ ምስፍሕፋሕ፣ዘበናዊ ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣብ ምልማዕ፣ኣብ ዲጂታል መሰረተ ልምዓት፣ቴክኖሎጂ ልውውጥ ገንዘብ፣ድሕንነት ሳይበርን ሰብ ስራሕ ብልሒ(ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ)ን ንምጥቃም ኣዝዩ ሰፊሕ ዓቕሚ ከምዘሎ እውን እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣረዲኦም።