ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ኣደም ፋራህ ምስ ኣምባሳደር ዩናይትድ ኪንግደም ኣብ ኢትዮጵያ ዳረን ዌልች ዘትዮም

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 15/2018(ኢዜኣ) ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል ምትሕብባር ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣደም ፋራህ ምስ ኣምባሳደር ዩናይትድ ኪንግደም ኣብ ኢትዮጵያ ዳረን ዌልች ዘትዮም።
ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያን ዩናይትድ ኪንግደምን ኣብ ማሕበራዊ፣ኢኮኖሚያውን ፖለቲካውን ዓውድታት ዘበናት ዝተሳገረ ጠንካራ ርክብ ኣለወን።
ዩናይትድ ኪንግደም ዓባይ መሓዛ ልምዓት ኢትዮጵያ ምዃና ብምግላፅ፤ ኣጀንዳ ልምዓትን ሪፎርምን ኢትዮጵያ ንክዕወት ዩናይትድ ኪንግደም ንትገብሮ ደገፍ እውን ምስጋና ኣቕሪቦም።



እተን ሃገራት በቢ ዓውድታት ዘለወን ዕሙቕ ርክብ ብዝበለፀ ንክጠናኸር ፓርቲ ብልፅግና ትፅቢት ዝግበረሉ እጃም ከምዘጠናኽር እውን ኣረጋጊፆም።
ብኣመራርሓ ወሃብነት ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያውን ፖለቲካውን ዓውድታት ዓወታት ምምዝጋቦም ብምሕባር፤ እዞም ዓወታት እዚኦም ንምቕፃል ዝግበር ርብርብ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረዲኦም።
ዩናይትድ ኪንግደም ስራሕቲ ህንፀት ትካል ኢትዮጵያ ንምድጋፍ ቆራፅ ከምዝኾነት እቶም ኣምባሳደር ኣረጋጊፆም። 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም