ቀዳማይ ሚኒስትር ሲንጋፖር መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ጎብንዮም - ኢዜአ ትግርኛ
ቀዳማይ ሚኒስትር ሲንጋፖር መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ጎብንዮም
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 15/2018 (ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ሲንጋፖር ሎውረንስ ዎንግ ኩርዓት መላእ ፀለምቲ ህዝብታት ዝኾነ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ጎብንዮም።
ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፀን ኣብ ዘመሓላለፍኦ መልእኽቲ፤ ንቀዳማይ ሚኒስትር ሲንጋፖር ሎውረንስ ዎንግ ብኽብሪ ተቐቢልና ኩርዓት መላእ ፀለምቲ ህዝብታት ዝኾነ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ኣጎብኒናዮም ኢለን።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዝገበርዎ ዑደት እውን፤ ኣብ መዘከርታ ሓወልቲ ንቃልሲ ነፃነት ፀለምቲ ህዝብታት ዋጋ ንዝኸፈሉ ጀጋኑ ሕቑፊ ዕንበባ ምንባሮም ገሊፀን።
ቀዳማይ ሚኒስትር ሎውረንስ ዎንግ ኣብ ምድረ ቀዳሞት ኢትዮጵያ ከምኡ እውን ኣብ ውቅብቲ ከተማና ኣዲስ ኣበባ ዝህልዎም ፃንሒት ውፅኢታዊ ንክኸውን ብሽመይን ብሽም ምምሕዳር እታ ከተማን ሰናይ ትምኒተይ ይገልፅ ክብላ እውን ሓቢረን።