ቀዳማይ ሚኒስትር ሲንጋፖር ሎውረንስ ዎንግ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ኣዲስ ኣበባ እዮም ዝርከቡ 

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር/15/ 2018 /ኢዜኣ/ቀዳማይ ሚኒስትር ሲንጋፖር ሎውረንስ ዎንግ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ኣዲስ ኣበባ እዮም ዝርከቡ።
ዎንግ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝገብሩዎ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ትማሊ ኣማሲዮም ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተዉ እንትኾኑ፤ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣቀባብላ ገይሮምሎም።



እዚ ዑደት ምሕዝነት ክልቲአን ሃገራት ንምጥንኻር ወሳኒ ስጉምቲ እንትኸውን፤ ሓደሽቲ ዕድላት ምትሕብባር ንክፍጠር ልዑል ረብሓ ከምዝህልዎ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ (ዶ/ር) ኣሕመድ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣመልኪቶም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም