ቻይና ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ብኹነታት ዘይቀያየር ስትራቴጂክ ምሕዝነት ብዝበለፀ ንምጥንኻር ክትሰርሕ እያ-ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ቻይና ዋንግ ዪ

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 15/2018(ኢዜኣ) ቻይና ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ብኹነታት ዘይቀያየር ስትራቴጂክ ምሕዝነት(all-weather strategic partnership)ብዝበለፀ ንምጥንኻር ብቆራፅነት ከምትሰርሕ ኣባል ቢሮ ፖለቲካ ማእኸላይ ኮሚቴ ኮሙኒስትር ፓርቲ ቻይናን ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ቻይናን ዋንግ ዪ ገሊፆም።
ኢትዮጵያን ቻይናን ዲፕሎማሲያዊ ርክበን ዝጀመራሉ መበል 55 ዓመት ክኽበር እዩ።
ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ቻይና ዋንግ ዪ መበል 55 ዓመት ዲፕሎማሲያዊ ርክብ እተን ሃገራት ኣመልኪቶም መልእኽቲ መግለፂ ሓጎስ ንሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ፌዴሪኢ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ(ዶ/ር) ኣመሓላሊፎም።
ዋንግ ዪ ኣብ መልእኽቶም እውን ቻይናን ኢትዮጵያን ዕሙቕን ንነዊሕ እዋን ዝፀንሐን ምሕዝነት ከምዘለወን ብምግላፅ፤ ርክበን ንዓመታት ፀኒዑ ምቕፃሉ ሓቢሮም።
ኣብ ዝሓለፉ 55 ዓመታት ክልቲአን ሃገራት ዝነበረን ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ኣብ ሰናይ እምነትን ኣብ ኣድላይ እዋን ነንሕድ ሕድ ኣብ ምድግጋፍን መሰረት ዝገበረ እዩ ኢሎም።
እቲ ምሕዝነት መርኣያ ምሕዝነትን ምትሕብባርን ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ከምዝኾነ እውን ፀሪሖም።
ካብ ቀረባ ዓመታት ናብዚ ብስትራቴጂካዊ መሪሕነት መራሕቲ እተን ሃገራት እቲ ክልቲኣዊ ምትሕብባር ብዝበለፀ እናተጠናኸረ ምምፅኡ እውን ኣረዲኦም።
ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ቻይና እቲ መበል 55 ዓመት ከም ሰናይ ኣጋጣሚ ብምጥቃም ምስ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ርክብ ክልቲአን ሃገራት ንምጥንኻር ከምዝሰርሕ ገሊፆም።
ውፅኢታት ጉባኤ ፎረም ምትሕብባር ቻይና ኣፍሪካ(ፎካክ)ን መራሕቲ እተን ሃገራት ኣብ ሓባራዊ ምርድዳእ ዝበፅሑሎም ጉዳያትን ንምትግባር ከምኡ እውን ክልቲአን ሃገራት ዘለወን ብኩነታት ዘይቀያየር ስትራቴጂክ ምሕዝነት all-weather strategic partnership) ብዝበለፀ ንምጥንኻር ፃዕሪ ከምዝገብሩ እውን ኣረዲኦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም