ቀዳማይ ሚኒስተ ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ጣልያን ጂኦርጂያ ሜሎኒ ዘትዮም

ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 14/2018(ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዓለም ለኻውን ዞባውን ጉዳያት ኣመልኪቶም ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ጣልያን ጂኦርጂያ ሜሎኒ ምዝታዮም ኣፍሊጦም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ኣብ ጉባኤ ጉጅለ 20 ካብ ዝገበርኩዎም ክልቲኣዊ ዘተታተይ ናይ መወዳእታ ዝኾነ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ጣልያን ጂኦርጂያ ሜሎኒ ኣብ ዓለም ለኻውን ዞባውን ጉዳያት ከምኡ እውን ኣብ ቁልፊ ክልቲኣዊ ጉዳያት ጠመተ ዝገበረ ዘተ ገይርና ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም