COP32 ኣብ ኢትዮጵያ እንትነዳሉ ካብ ብራዚል እንወስዶ ብዙሕ ጠቐምቲ ልምድታት ኣለዉ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
COP32 ኣብ ኢትዮጵያ እንትነዳሉ ካብ ብራዚል እንወስዶ ብዙሕ ጠቐምቲ ልምድታት ኣለዉ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ/ሕዳር 14/2018(ኢዜኣ) ብራዚል ኣዳላዊት COP30 ስለዝነበረት COP32 ኣብ ኢትዮጵያ እንትነዳሉ ካብ ብራዚል እንወስዶ ብዙሕ ጠቐምቲ ልምድታት ኣለዉ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ጎና ጎኒ ጉባኤ ጉጅለ 20 ምስ ፕሬዚዳንት ብራዚል ሉዊዝ ኢናችዮ ሉላ ደ ሲልቫ ምዝታዮም ኣፍሊጦም።
እቲ ዘተ፤ ኣብ ጉዳያት ኢኮኖምን ዘላቒ መሰረተ ልምዓትን ትኹረት ብምግባር ክልቲኣዊ ርክብና እነጠናኽረሎም ዕድላት ዝምልከት እዩ ኔሩ ኢሎም።
ብተወሳኺ እውን ብራዚል ኣብ ቀረባ እዋን ንዝተኻየደ COP30 ኣዳላዊት ስለዝኾነት COP32 ኣብ ኢትዮጵያ እንትነዳሉ ካብ ብራዚል እንወስዶ ብዙሕ ጠቐምቲ ልምድታት ኣለዉ ክብሉ ሓቢሮም።
ስራሕ ሓለዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዓለም ዘዕቢ ብኣግባቡ ዝተዳወ እንግዶት ንክህልወና ካብ ልምድታት ዝተረኸቡ ሓሳባት ምልውዋጥ ኣጠናኺርና ንምቕፃል ተሊምና ኢና ክብሉ ገሊፆም።