ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኔዘርላንድ ዲክ ሾፍ ዘትዮም - ኢዜአ ትግርኛ
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኔዘርላንድ ዲክ ሾፍ ዘትዮም
ኣዲስ ኣበባ/ዳር 14/2018(ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኔዘርላንድ ዲክ ሾፍ ምዝታዮም ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኔዘርላንድ ዲክ ሾፍ ኣብ ዝነበረና ዘተ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኔዘርላንድን ዘሎ ጠንካራ ምትእስሳር ንምጥንኻር ዘቲና ኢሎም።
ካብ ቁልፊ መባፅሕታት ንግዲ ወፃኢ ኢትዮጵያ እታ ሓንቲ ዝኾነት ኔዘርላንድ ኢንቨስትመንትን ምትሕብባር ኢኮኖምን ንምግባር ርኡይ ዓቕሚ ከምዘለዋ ገሊፆም።
ኣብ ምትሕብባር ስራሕ ሓለዋ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዝምልከት እውን ዕድላትና ንምዕዛብን ክልቲኣዊ ርክብና ብዑደታትን መርሃ ግብርታት ልውውጥን ንክነሳልጥን ኣብቲ ዘተ ሓሳብ ሂበ ክብሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፍሊጦም።